ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትርጕም ዘለዎ ህይወት ንምንባር ኣብነት የሱስ ንስዓብ

ትርጕም ዘለዎ ህይወት ንምንባር ኣብነት የሱስ ንስዓብ

“ከምቲ ንሱ [የሱስ] እተመላለሶ ገይሩ ኺመላለስ ግዴታ ኣለዎ።”​—1 ዮሃንስ 2:6

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ዝረኣናዮ፡ የሱስ ትርጕም ዘለዎ ህይወት እዩ ነይርዎ። ስለዚ፡ ህይወትና ትርጕም ኪህልዋ እንተ ዀይኑ፡ ኣብነቱ ኽንስዕብን ምኽሩ ኽንሰምዕን ኣሎና።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቕሲ ዚሕብሮ፡ የሆዋ ኸምኡ ኽንገብር እዩ ዜተባብዓና። ከምቲ የሱስ እተመላለሶ ጌርና ምምልላስ፡ ብዘሎ መገዲ ህይወትና ኣብነቱን ትምህርትታቱን ኣብ ምስዓብ ከም ዜተኵር ምግባር የጠቓልል። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ስምረት ኣምላኽ ንረክብ፡ ትርጕም ዘለዎ ህይወት እውን ይህልወና።

ትምህርቲ የሱስ፡ ከምቲ እተመላለሶ ጌርና ኽንመላለስ ዜኽእለና ስርዓታት የጠቓልል። ሓያሎ ኻብዚ ስርዓታት እዚ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ውሩይ ስብከት ይርከብ። ገለ ኻብቲ ስርዓታት እትን ከመይ ጌርና ኣብ ህይወትና ኸነውዕሎ ኸም እንኽእልን እስከ ንርአ።

ስርዓት፦ “መንፈሳውነት ዚሃርፉ፡ . . . ሕጉሳት እዮም።”​—ማቴዎስ 5:3

እዚ ስርዓት እዚ፡ ህይወት ትርጕም ንኺህልዋ ዚገብሮ ኣበርክቶ፦

የሱስ፡ ሰባት ብተፈጥሮኦም መንፈሳውነት ኪሃርፉ ኸም ዚግብኦም እዩ ሓቢሩ። ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ኽንረኽበሉ ሃረር ንብል ኢና፦ ስለምንታይ ኢና ተፈጢርና፧ ኣብ ምድሪ መከራ በዚሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂዶ ይግደስ እዩ፧ ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎዶ፧ ህይወትና ትርጕም ንኺህልዋ፡ መልሲ እዘን ሕቶታት እዚአን ክንፈልጥ ኣሎና። የሱስ ነዘን ሕቶታት እዚአን መልሲ ኺህበና ዚኽእል ሓደ ዜተኣማምን ምንጪ ኸም ዘሎ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ እቲ ምንጪ እቲ ኸኣ ቃል ኣምላኽ እዩ። ስለዚ፡ የሱስ ናብ ኣቦኡ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ “ቃልካ ሓቂ እዩ” በለ። (ዮሃንስ 17:17) ቃል ኣምላኽ ንህርፋን መንፈሳውነትና ኼማልኣልና ይኽእል ድዩ፧

ናይ ሓቂ ተመክሮ፦

ኢሳ ናይ ሓደ ህቡብ ባንድ ቀንዲ ደራፊ ስለ ዝነበረ፡ ኰዀብ ናብ ምዃን የምርሕ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ነገር ከም ዝጐደሎ ይስምዖ ነበረ። “ኣብቲ ባንድ ምዃነይ ባህ ይብለኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ህይወተይ ዝያዳ ትርጕም እደሊ ነበርኩ” በለ። ጸኒሑ ኸኣ፡ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ተራኸበ። ኢሳ ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝዀነ ነገር ኪገልጽ ከሎ፡ “ብሕቶታት ልቡ ኣጥፋእኩሉ። እቲ ዚውሓጠልካ ቕዱስ ጽሑፋዊ መልስታቱ ስለ ዘስተንከረኒ ግና፡ ምስኡ ሓቢረ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ተሰማማዕኩ” በለ። እቲ ኢሳ ኻብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህሮ ነገር ልቡ ተንከዮ፡ ህይወቱ ንየሆዋ ንኺውፊ ድማ ደረኾ። “ቀደም፡ ኵሉ ሳዕ ኣብ ሽግርን ሓደጋን እናኣቶኹ እየ ዝወጽእ ነይረ። ሕጂ ግና ኣብ ህይወተይ ናይ ሓቂ ዕላማ ኣሎኒ” * በለ።

ስርዓት፦ “መሓርቲ . . . ሕጉሳት እዮም።”​—ማቴዎስ 5:7

እዚ ስርዓት እዚ፡ ህይወት ትርጕም ንኺህልዋ ዚገብሮ ኣበርክቶ፦

ምሕረት ኪብሃል ከሎ፡ ንሰባት ምርሕራሕ፡ ምልዋህ፡ ምሕላይ የጠቓልል። የሱስ ነቶም እተሸገሩ ምሕረት ይገብረሎም ነበረ። ብርሕራሐ ተደሪኹ፡ ብተበግሶኡ ንሰባት ካብ መከራኦም የናግፎም ነበረ። (ማቴዎስ 14:14፣ 20:30-34) ንሕና እውን መሓርቲ ብምዃን ንየሱስ ምስ እንመስሎ፡ ንህይወትና ትርጕም ኢና እንውስኸላ፣ ከመይሲ፡ እቶም ንኻልኦት ምሕረት ዚገብሩ፡ ሓጐስ ይረኽቡ እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ንኻልኦት ብቓልናን ብግብርናን ብምልዋህ፡ ምሕረት ክንገብረሎም ንኽእል ኢና፣ እዚ ድማ ነቶም ሓገዝና ዚደልዩ እፎይታ የምጽኣሎም እዩ። ምሕረት ምግባር ብሓቂዶ ንጥዕናና የመሓይሾ እዩ፧

ማሪያን ካርሎስን

ናይ ሓቂ ተመክሮ፦

ማሪያን ሰብኣያ ካርሎስን መሓርቲ ብምዃኖም ኣብነታውያን እዮም። ኣቦ ማሪያ ሰበይቱ ሞይታቶ እያ፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ ካብ ዓራቱ እኳ ኺትንስእ ኣይክእልን እዩ። ማሪያን ካርሎስን ናብ ቤቶም ወሲዶም፡ ዜድልዮ ዘበለ ዅሉ የማልኡሉ ኣለዉ። ብዙሕ ለይቲ ድቃስ ስኢኖም እዮም፣ ሽኮሩ ምስ ወረደ ድማ ተጓይዮም ናብ ሆስፒታል ወሲዶምዎ እዮም። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣመና ኸም ዚደኽሙ ኣይክሕዱን እዮም። ግናኸ፡ ንኣቦ ማሪያ ዜድልዮ ኽንክን ይገብሩሉ ብምህላዎም፡ ከምቲ የሱስ ዝበሎ ሕጉሳት እዮም።

ስርዓት፦ “ገበርቲ ሰላም . . . ሕጉሳት እዮም።”​—ማቴዎስ 5:9

እዚ ስርዓት እዚ፡ ህይወት ትርጕም ንኺህልዋ ዚገብሮ ኣበርክቶ፦

ገባር ሰላም ምዃን ንህይወትና ትርጕም ዚውስኸላ ብኸመይ እዩ፧ ቅድም ቀዳድም፡ ምስቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ዝሓሸ ርክብ ይህልወና። ነቲ፡ “ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብወገንኩም፡ ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ” ዚብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዓልናዮ ጽቡቕ እዩ። (ሮሜ 12:18) “ኵሉ ሰብ” ተባሂሉ ዘሎ፡ ንኣባላት ስድራ ቤትን ከም ናትና እምነት ንዘይብሎም ካልኦትን እውን የጠቓልል እዩ። ምስ “ኵሉ ሰብ” ብሰላም ምንባር፡ ብሓቂዶ ንህይወትና ትርጕም ይውስኸላ እዩ፧

ናይር

ናይ ሓቂ ተመክሮ፦

ናይር ዝስማ ሰበይቲ ዘሕለፈቶ ተመክሮ እስከ ንርአ። ንሓያሎ ዓመታት፡ ብሕልፊ ምስ ስድራ ቤታ ብሰላም ከይትነብር እተፈታተና ብዙሕ ጸቕጥታት ኣጋጢሙዋ እዩ። ዳርጋ 15 ዓመት ይገብር ሰብኣያ ሓዲግዋ ምስ ከደ፡ ንደቃ በይና እያ ተዕብዮም ዘላ። ሓደ ወዳ ውሉፍ ሓሽሽ ኰይኑ ነበረ፣ ብዙሕ ሳዕ ድማ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዀይኑ ንዓኣን ንጓላን የፈራርሀን ነበረ። ናይር፡ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተማህረቶ ኣብ ፈታኒ ዅነታት እውን ከይተረፈ ገባሪት ሰላም ክትከውን ብርታዐ ኸም ዝሃባ እያ እትኣምን። ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር ከይትከራኸር ወይ ከይትብኣስ ጻዕሪ ትገብር እያ። ንኻልኦት ክትልውሃሎምን ክትድንግጸሎምን ክትርድኣሎምን እያ እትጽዕር። (ኤፌሶን 4:31, 32) ገባሪት ሰላም ክትከውን ምኽኣላ፡ ምስ ኣባላት ስድራ ቤታን ምስ ካልኦትን ዝሓሸ ርክብ ኪህልዋ ኸም ዘኽኣላ ትኣምን እያ።

ንመጻኢ ኣብ ግምት ምእታው

ንጥበባዊ ምኽሪ የሱስ እንተ ስዒብና፡ ኣብ ህይወትና ሓጐስን ዕግበትን ንረክብ ኢና። ናይ ሓቂ ትርጕም ዘለዎ ህይወት ንምርካብ ግና፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚጽበየና ኽንፈልጥ ኣሎና። ከመይሲ፡ ኣብ መወዳእታኡ እርጋንን ሕማምን ሞትን እንተ ዘይኰይኑ፡ ካልእ ተስፋ ኸም ዘይብልና እንተ ፈሊጥና፡ ህይወት ክሳዕ ክንደይ እዩ ትርጕም ኪህልዋ ዚኽእል፧ ግናኸ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ኸምኡ እዩ ዜጋጥም ዘሎ።

ይኹን እምበር፡ ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ሓደ ብስራት ኣሎ። የሆዋ ንዅሎም እቶም ‘ከምቲ የሱስ እተመላለሶ ኺመላለሱ’ ዚጽዕሩ ብዙሕ በረኸት ዓቚሩሎም ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ጽድቂ ዚነብረላ ሓዳስ ዓለም ከም ዜምጽእ፡ ኣብኣ ኸኣ እሙናት ደቂ ሰብ ከምቲ የሆዋ ዝዓለሞ ንዘለኣለም ብፍጹም ጥዕና ኸም ዚነብሩ ቓል ኣትዩ ኣሎ። ቃሉ ኸምዚ ይብለና፦ “እንሆ፡ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱ እውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም። ኣምላኽ ባዕሉ እውን ምሳታቶም ኪኸውን እዩ። ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”—ራእይ 21:3, 4

እታ ኣብታ ቐዳመይቲ እዛ ተኸታታሊት ዓንቀጽ እተጠቐሰት 84 ዓመት ዝዕድሚኣ ማሪያ፡ ነቲ እዘን ቃላት እዚአን ዚፍጸማሉ እዋን ንምርኣይ ተስፋ ስለ ዘለዋ ሕጉስቲ እያ። ንስኻኸ ብዛዕባ እታ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትርከብ “ናይ ሓቂ ህይወት” ክትፈልጥ ትደሊዶ፧ (1 ጢሞቴዎስ 6:19) ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ኣብ ከባቢኻ ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕተቶም፡ ወይ ናብ ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ጽሓፍ። *

^ ሕ.ጽ. 8 ንታሪኽ ኢሳ ኣብታ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር—ሕማቕ ጠባይ ከም ዝነበረኒ ተገንዘብኩ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

^ ሕ.ጽ. 18 እታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ንብዙሓት ሰባት፡ ቅዱሳት ጽሑፋት በብኣርእስቲ ንኼጽንዑ ትሕግዞም ኣላ።