ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ታሪኽ ህይወት

ብስጋ ድኻታት ብመንፈስ ግና ሃብታማት

ብስጋ ድኻታት ብመንፈስ ግና ሃብታማት

ኣቦይን ኣቦሓጎይን ክቲዣኒ ኣብ እትብሃል ዓዲ ገባሮ ዝዀነት ቍሸት፡ ኣብ ሓንቲ ዘይተዛዘመት ቤት እዮም ዚነብሩ ነይሮም። እታ ቝሸት ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል እዛ ሕጂ ሞልዶቫ እትብሃል ሃገር እያ እትርከብ። ኣብታ ቦታ እቲኣ፡ ኣብ ታሕሳስ 1939 እየ ተወሊደ። ኣቦይን ኣቦሓጎይን ኣብ መጀመርታ 1930ታት እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም። ኣደይ ከኣ ኣቦሓጎይ ካብ ቀሺ እታ ቝሸት ንላዕሊ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚፈልጥ ምስ ተገንዘበት፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት።

ወዲ ሰለስተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣቦይን ሓወቦይን ኣቦሓጎይን ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ካብ ዓዶም ተሰጒጎም ናብ ደምበታት ሸቕሊ ተወስዱ። ኣቦይ ጥራይ ከኣ እዩ ብህይወት ተሪፉ። ብ1947፡ ድሕሪ ኻልኣይ ውግእ ዓለም፡ ሕቖኡ ተሰይሩ ናብ ቤት ተመልሰ። ኣካላቱ እኳ እንተ ማህመነ፡ ኣብ እምነቱ ግና ጸኒዑ እዩ።

ኣብ ህይወትና ዘጋጠመና ዜደንጹ ዅነታት

ወዲ ትሽዓተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ስድራ ቤትናን ብኣማእታት ዚቝጸሩ ኻልኦት ሞልዶቫውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኣብ ሳይቤርያ ተሓየሩ። ብ6 ሓምለ 1949፡ ከብቲ ኣብ ዜመላልሳ ባጎኒታት ተጸዓንና። ልዕሊ 6,400 ኪ.ሜ. ዚኸውን ን12 መዓልቲ ብዘይምቍራጽ ድሕሪ ምጕዓዝና፡ ሌብያዤ ኣብ ዚብሃል መደበር ባቡር ደው በልና። ሰበ ስልጣን እቲ ኸባቢ ይጽበዩና ነበሩ። ኣብ ንኣሽቱ ጕጅለታት ተኸፋፊልና፡ ብኡብኡ ናብቲ ኸባቢ ተበተንና። ሓንቲ ባዶ ዝነበረት ንእሽቶ ቤት ትምህርቲ ድማ መንበሪት ጕጅለና ዀነት። ኵላትና ደኺምናን ሓዚንናን ነበርና። ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ፡ ንሓንቲ ኣብ ግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝደረስዋ መዝሙር ትዝምር ነበረት። ነዊሕ ከይጸናሕና ድማ፡ ኵላትና ምስኣ ሓቢርና ነዚ ዚስዕብ ቃላት ብምሉእ ልብና ዘመርና፦

“ሓያሎ ኣሕዋት ኣብ ርሑቕ ቦታ ተሓየሩ

ናብ ሰሜንን ናብ ምብራቕን ተወስዱ

ዕዮ ኣምላኽ ብምዕያዮም፡ ጸበባ ተፈርዱ፡ ማዕረ ሞት ዝዀነ ፈተናታት ከኣ ተጻወሩ።

ድሕሪ ግዜ፡ ካብ ቤትና 13 ኪ.ሜ. ኣብ ዚርሕቕ ቦታ ዄንና ሰንበት ሰንበት ኣኼባታት መጽሓፍ ቅዱስ ንገብር ነበርና። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣንጊህና ብምትንሳእ ብጸልማት፡ ነቲ ትሕቲ ዜሮ ኽሳዕ 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ኣቢሉ ዚበጽሕ ዛሕሊ እናተጻወርና፡ ክሳዕ መዓንጣና ብዚበጽሕ በረድ ንጓዓዝ ነበርና። ሓምሳ ወይ ዝያዳ እንኸውን ሰባት ኣብ ሓንቲ 19 ትርብዒት ኪ.ሜ. እትኸውን ክፍሊ ተጸቓቒጥና ንእከብ ነበርና። ሓንቲ ወይ ክልተ ወይ ሰለስተ መዝሙር ብምዝማር ኣኼባና ንጅምር እሞ ልባዊ ጸሎት ይቐርብ ነበረ፣ ድሕሪኡ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ንመያየጥ ነበርና። እዚ ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ይወስድ ነበረ። ዝያዳ መዝሙራት ንዝምር፡ ዝያዳ ሕቶታት ከኣ ንመያየጥ ነበርና። እዝስ፡ መንፈሳውነትካ ዜደልድል ኣየ ኸመይ ዝበለ ኣጋጣሚ ዀን እዩ ነይሩ!

ሓድሽ ብድሆታት

ብ1974 ኣብ ጃንኮይ፡ ኣብ መደበር ባቡር

ብ1960፡ ነቶም እተሓየሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ናጽነት ተዋህቦም። ድኻታት እኳ እንተ ነበርና፡ ናብ ሞልዶቫ ክኸይድ ከኣልኩ፡ ኣብኡ ኸኣ ምስ ኒና ተራኸብኩ። ወለዳን ወለዲ ኣዲኣን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም። ነዊሕ ከይጸናሕና ተመርዓና እሞ ናብ ሳይበርያ ኽንምለስ ተገደድና። ኣብኡ ዲና ጓልና ብ1964 ተወልደት፡ ወድና ቪክቶር ከኣ ብ1966 ተወልደ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ናብ ዩክረይን ገዓዝና፡ ጃንኮይ ኣብ እትብሃል ከተማ ድማ፡ ኣብ ንእሽቶ ገዛ ንነብር ነበርና። ጃንኮይ፡ ካብታ ኣብ ሓውሲ ደሴት ክሪም እትርከብ ያልታ ኣስታት 160 ኪ.ሜ. ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ከተማ እያ።

 ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምሉእ ሕብረት ሶቭየት፡ እንተላይ ኣብ ክሪም ተኣጊዱ ነበረ። ግናኸ፡ ዕዮና ምሉእ ብምሉእ ኣይተቐየደን፡ ብርቱዕ መስጐጕቲ እውን ኣይነበረን። ስለዚ፡ መንፈሳዊ ቕንኣት ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅሂሙ ነበረ። እዚኣቶም፡ ኣብ ሳይበርያ ብዙሕ መከራ ስለ ዘሕለፉ፡ ስጋዊ ምሾት ኪረኽቡ ምጽዓሮም ግቡእ ኰይኑ ተሰምዖም።

ዜሐጕስ ምዕባለታት

ብ27 መጋቢት 1991፡ ኣብታ ሽዑ ሕብረት ሶቭየት ተባሂላ እትፍለጥ ዝነበረት ሃገር፡ ንጥፈታትና ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኸበ። ብኡብኡ ድማ ኣብታ ሃገር ኣብ ሸውዓተ ቦታታት ናይ ክልተ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባታት ኣውራጃ ንኺግበር መደብ ተገብረ። ንሕና ኸኣ ኣብቲ ብ24 ነሓሰ፡ ኣብ ኦዴሳ፡ ዩክረይን፡ ኪግበር እተመደበ ኣኼባ ኣውራጃ ኽንካፈል ወሰንና። ኣነ ኣብቲ ነቲ ስታዲዩም ንምጽርራይ ዚግበር ዝነበረ ጻዕሪ ምእንቲ ኽሕግዝ፡ ሓደ ወርሒ ኣቐዲመ ናብቲ ቦታ ኸድኩ።

ምሉእ መዓልቲ ኽንሰርሕ ምስ ወዓልና፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብቲ ስታድዩም ኣብ ዘሎ ኾፍ መበሊ ንድቅስ ነበርና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ስታድዩም ንዘሎ መናፈሻ ብጕጅለ ዀይነን ኣጽረያኦ። ዳርጋ 70 ቶን ዚኸውን ጐሓፍ ከኣ ተኣከበ። እቶም ኣብ ክፍሊ መደቀሲ ዚዓይዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቶም 15,000 ዝዀኑ ልኡኻት ዚኸውን መደቀሲ ንምርካብ ነታ ኸተማ ዳህሰስዋ። ሽዑ፡ ሓደ ዜሰንብድ ዜና ተሰምዐ!

ብ19 ነሓሰ፡ ማለት ኣኼባ ኣውራጃና ንኺጅምር ሓሙሽተ መዓልቲ ጥራይ ምስ ተረፎ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ፕረዚደንት ሕብረት ሶቭየት ዝነበረ ሚካኤል ጎርባቾቭ፡ ካብቲ ዝነበርናሉ ቦታ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ከባቢ፡ ማለት ኣብ ጥቓ ያልታ ኣብ ዕረፍቲ ኸሎ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣተወ። እቲ ተዋሂቡና ዝነበረ ፍቓድ ኣኼባ ኣውራጃ ድማ ተሰረዘ። ልኡኻት ናብ ቤት ጽሕፈት ኣኼባ ኣውራጃ እናደወሉ፡ “እቲ ኣብ ኣውቶቡስን ኣብ ባቡርን ዝሓዝናዮ ቦታ እንታይ ንግበሮ፧” ኢሎም ይሓትቱ ነበሩ። እቶም ነቲ ኣኼባ ኣውራጃ ንኺውድቡ ሓላፍነት እተዋህቦም ኣባላት፡ ልባዊ ጸሎት ድሕሪ ምቕራብ፡ “ስቕ ኢልኩም ምጹ” በልዎም።

ምድላዋትን ጸሎትን ቀጸለ። ክፍሊ መጓዓዝያ፡ ነቶም ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ሕብረት ሶቭየት ዚመጹ ዝነበሩ ልኡኻት እናተቐበለ፡ ናብቲ እተመደቡሉ ቦታታት ኬብጽሖም ጀመረ። ኣባላት ኮሚተ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ንግሆ ንግሆ ኻብ ቤት ጽሕፈቶም እናወጹ ናብ ሰበ ስልጣን እታ ኸተማ ይኸዱ ነበሩ። ምሸት ምሸት ከኣ ኣወንታዊ ምላሽ ከይረኸቡ ይምለሱ ነበሩ።

መልሲ ጸሎትና

ሓሙስ 22 ነሓሰ፡ እቲ መደብ ቅድሚ ምጅማሩ ኽልተ መዓልቲ ኣቐዲሙ፡ ኣባላት ኮሚተ ኣኼባ ኣውራጃ፡ ኣኼባ ኽንገብር ከም እተፈቕደልና ዚገልጽ ብስራት ሒዞም መጹ። ናይ መኽፈቲ መዝሙር ክንዝምር ከለናን ናይ መኽፈቲ ጸሎት ክንጽሊ ኸለናን ሓጐስና ወሰን ኣይነበሮን። ቀዳም ድሕሪ እቲ ኣኼባ፡ ምስቶም ኣዝዩ ኸቢድ ፈተናታት ተጻዊሮም ዝጸንዑ፡ ድልድልቲ እምነት ዝነበረቶም ክርስትያናት ከነዕልልን ምሕዝነትና ኸነሐድስን ኣምሰና።

ብ1991 ኣብ ኦዴስ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ

ኣብቲ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ዘሕለፍናዮ፡ ልዕሊ 22 ዚኸውን ዓመታት፡ እዚ ዘይብሃል መንፈሳዊ ዕቤት ተራእዩ እዩ። ኣብ መላእ ዩክረይን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተሃኒጹ እዩ፣ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ብ1991፡ ኣስታት 25,000 ዝነበረ፡ ኣብዚ እዋን እዚ፡ ልዕሊ 150,000 በጺሑ ኣሎ።

ሕጂ እውን ብመንፈስ ሃብታማት

ሕጂ እውን ኣብታ 40,000 ተቐማጦ ዘለውዋ ኸተማ ጃንኮይ፡ ኣብታ መጀመርታ ዝኣተናያ ቤት ኢና እንነብር ዘለና። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ፡ ብ1968 ካብ ሳይበርያ ኽንመጽእ ከለና ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እኳ እንተ ነበሩ፡ ሕጂ ግና ሽዱሽተ ጉባኤታት ኣለዋ።

ስድራ ቤትና እውን ብቝጽሪ ወሲኻ እያ። ደቅና፡ ደቆም፡ ደቂ ደቆም፡ ኰታስ ኣርባዕተ ወለዶ፡ ብህይወት ኣሎና፡ ንየሆዋ ድማ ነገልግሎ ኣሎና።