ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምትሕንፋጽ እምነት—ኣምላኽ ዚጥቀመሉ መገዲ ድዩ፧

ምትሕንፋጽ እምነት—ኣምላኽ ዚጥቀመሉ መገዲ ድዩ፧

“ሃይማኖት የሕብረና ድዩ ይኸፋፍለና፧” እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ንኣንበብቲ ጋዜጣ ዘ ሲድኒ ሞርኒንግ ሄራልድ ቀረበትሎም። ካብቶም ምላሾም ዝሃቡ መብዛሕትኦም፡ ማለት ኣስታት 89 ሚእታዊት ዚዀኑ፡ ሃይማኖት ዚኸፋፍለና ዀይኑ እዩ ዚስምዖም።

ይኹን እምበር፡ ደገፍቲ ምትሕንፋጽ እምነት፡ ነቲ ጕዳይ ብእተፈልየ መገዲ እዮም ዚርእይዎ። ኢቡ ፓተል ዝስሙ መስራቲ ማእከል ምትሕንፋጽ እምነት መንእሰያት፡ “ድንጋጽ ብዛዕባ ምርኣይ ዘይትግደስ . . . ብዛዕባ ኣከባቢ ዘይዓጅባ . . . ብዛዕባ ምቕባል ጋሻ ዘየተሓሳስባ ሃይማኖት እሞ ኣየነይቲ እያ፧” ኢሉ ሓተተ።

ሰዓብቲ ቡድህናን ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ሂንዱነትን ምስልምናን ካልኦት ሃይማኖታትን፡ ንድኽነት ንምቅላስ፡ ንሰብኣዊ መሰል ንምምጓት፡ ንነታጒ ንምእጋድ፡ ወይ ከኣ ጕዳያት ኣከባቢ ኣቓልቦ ኸም ዚረክብ ንምግባር ብሓባር ኰይኖም ጽዒሮም እዮም። ብዙሓት ሃይማኖታት ብሓደ ተኣኪበን፡ ብኸመይ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእን ምትሕብባርን ኪበጽሓ ኸም ዚኽእላ ተዘራሪበን እየን። ንፍልልያተን ድማ ሽምዓ ብናይ ምውላዕ ጽምብላትን ብፈስቲቫላትን ብሙዚቃን ብጸሎትን ብኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ንጥፈታትን የብዕላኦ እየን።

ኰይኑ ግና፡ ምትሕንፋጽ እምነት ነቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘሎ ፍልልይ ኬዐርዮ ይኽእል ድዩ፧ ኣምላኽ ብምትሕንፋጽ እምነት ተጠቒሙ ዝሓሸት ዓለም ኬምጽእ ድዩ፧

ሓድነት ንምምጻእ፡ እንታይ ኪግበር ኣለዎ፧

ሓደ ኻብቲ ዓበይቲ ውድባት ምትሕንፋጽ እምነት፡ ኣባላቱ ኣብ 76 ሃገራት ንዚርከባ ልዕሊ 200 እተፈላለያ ሃይማኖታት ዚውክሉ ምዃኖም ሓቢሩ ነበረ። ዕላማኡ፡ “ምስ ምትሕንፋጽ እምነት ዚተሓሓዝ ጽኑዕን መዓልታውን ምትሕግጋዝ ከም ዜስፋሕፍሕ ምግባር” እዩ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ኻብ ክትገብሮ፡ ክትብሎ ይቐልል። ንኣብነት፡ መስረትቲ እቲ ውድብ፡ ቻርተሮም ብጥንቃቐ ብእተመርጸ ቓላት ከም እተዳለወ፡ ከምኡ እተገብረሉ ምኽንያት ድማ ነተን ነቲ ሰነድ ዝፈረማ ብዙሓት ሃይማኖታት ንኸየቐይምወን ኢሎም ምዃኖም ገሊጾም እዮም። ስለምንታይ እዮም ከምኡ ገይሮም፧ ሓደ ምኽንያት፡ ኣምላኽ ኣብቲ ቻርተር ኪጥቀስ እንተ ኣልይዎ ስለ ዘይተሰማምዑ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ብዝዀነ ይኹን መገዲ፡ ኣምላኽ ኣብቲ ቻርተር ንኸይጥቀስ ተወሰነ።

ኣምላኽ ዘይጥቀስ እንተ ዀይኑ ደኣ እሞ፡ እምነት እንታይ ረብሓ እዩ ዘለዋ፧ ብዘይካዚ፡ ከምዚ ዓይነት ምትሕንፋጽ እምነት ካብቲ ሃይማኖታዊ ዘይኰነ ውድባት ግብረ ሰናይ ብኸመይ እዩ ዚፍለ፧ ነዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ እዮም መስረትቲ እቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ ውድብ፡ ንገዛእ ርእሶም ከም ሃይማኖት ዘይኰነስ፡ ከም “ምትሕብባር ዜደንፍዕ ውድብ” ገይሮም ዚገልጽዋ።

ጽቡቕ ባህርያት ምትብባዕ እኹል ድዩ፧

ዳላይ ላማ ዝስሙ ህቡብ ተጣባቒ ምትሕንፋጽ እምነት፡ “ትምህርትታት ኵለን ዓበይቲ ሃይማኖታት፡ ተመሳሳሊ መልእኽቲ እዩ ዜመሓላልፍ፣ ንሱ ኸኣ ፍቕርን ድንጋጽን ይቕረ ምባልን እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ፡ “ብቐንዱ ዜገድስ፡ [ነቲ ባህርያት] ክፍሊ መዓልታዊ ናብራና ምግባሩ እዩ” በለ።

 ሓቂ እዩ፡ ከም ፍቕርን ድንጋጽን ይቕረ ምባልን ዝኣመሰለ ባህርያት ዘለዎ ኣገዳስነት፡ ኣትሒትካ ዚርአ ኣይኰነን። የሱስ እውን እንተ ዀነ፡ “ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም” ብምባል፡ ወርቃዊ ሕጊ ሂቡ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 7:12) ኰይኑ ግና፡ ናይ ሓቂ እምነት፡ ጽቡቕ ባህርያት ጥራይ ድዩ ዜተባብዕ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ንኣምላኽ ከም ዜገልግሉ ዚዛረቡ ሰባት ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ልክዕ ፍልጠት እተመስረተ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም እየ” ኢሉ ነበረ። እቶም ሰባት እንታይ ጸገም እዩ ነይርዎም፧ ጳውሎስ፡ ‘ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦም፡ ጽድቂ ርእሶም ኪስርቱ ደልዮም’ በለ። (ሮሜ 10:2, 3) እቶም ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኬማልእዎ ዚደልዮም ነገራት ልክዕ ፍልጠት ስለ ዘይነበሮም፡ ቅንኣቶምን እምነቶምን ብላሽ እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 7:21-23

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምትሕንፋጽ እምነት ዘለዎ ርእይቶ

የሱስ፡ ‘ገበርቲ ሰላም ሕጉሳት እዮም’ በለ። (ማቴዎስ 5:9) ንሱ እተፈላለየ ሃይማኖት ንዘለዎም ሰባት፡ ካብ ዓመጻ ዝረሓቐን ሰላም ዝሓዘለን መልእኽቲ ብምንጋር፡ ንስብከቱ ተግቢርዎ እዩ። (ማቴዎስ 26:52) እቶም ንመልእኽቱ ጽቡቕ ምላሽ ዝሃቡሉ ኸኣ፡ ፈጺሙ ዘይብጠስ ማእሰር ፍቕሪ ኺህልዎም ክኢሉ እዩ። (ቈሎሴ 3:14) ይኹን እምበር፡ ዕላማ የሱስ፡ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ብሰላም ምእንቲ ኺነብሩ፡ ኣብ መንጎኦም ምትሕብባር ከም ዚሰፍን ምግባር ጥራይ ድዩ ነይሩ፧ ኣብ ኣምልኾ ኻልኦት ሃይማኖታትከ ይካፈል ነይሩ ድዩ፧

መራሕቲ ሃይማኖት እቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ዚስዕብዎ ዝነበሩ ኑፋቐ፡ ንየሱስ ይጻረርዎ፡ ኪቐትልዎ እውን ይደልዩ ነበሩ። እሞኸ የሱስ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሕደግዎም፡ ዕዉራት መራሕቲ እዮም” በሎም። (ማቴዎስ 15:14) ምስቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ሕውነት ኪህልዎ ኣይደልን እዩ ነይሩ።

እተወሰነ እዋን ጸኒሑ፡ ኣብ ግሪኽ ኣብ እትርከብ ከተማ ቈረንቶስ፡ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተመስረተት፣ ከተማ ቈረንቶስ፡ ንእተፈላለየ ኣረኣእያ ዚጻወርን ብዙሓት ሃይማኖታት ዝሓቘፈን ባህሊ እዩ ነይሩዋ። እሞኸ እቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ክርስትያናት ብኸመይ እዮም ኪመላለሱ ነይርዎም፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ምስቶም ዘይኣመንቲ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ” ኢሉ ጸሓፈሎም። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ኢልዎም፧ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ስኒት ኣለዎ፧ ወይስ ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ ኣለዎ፧” በለ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቶም ክርስትያናት፡ “ካብ መንጎኦም ውጹን ተፈለዩን” ኢሉ መኸሮም።—2 ቈረንቶስ 6:14, 15, 17

ብንጹር እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምትሕንፋጽ እምነት ኣይድግፎን እዩ። ኰይኑ ግና፡ ‘ብኸመይ ደኣ እዩ እሞ ሓድነት ኪርከብ ዚከኣል፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

ናይ ሓቂ ሓድነት ብኸመይ ይርከብ፧

እቲ ንምድሪ ዚዞራ ዜደንቕ ተክኖሎጅያዊ ምህዞ ዝዀነ ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር፡ 15 ሃገራት ብዝገበራኦ ጻዕሪ እዩ ተሰሪሑ። እተን ሃገራት ንንድፊ እቲ መደበር ጠፈር እንተ ዘይሰማምዓሉ ነይረን፡ እቲ ዕዮ ዕዉት ምዀነዶ ነይሩ፧

ኵነታት እቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ምትሕንፋጽ እምነት እውን ተመሳሳሊ እዩ። ምትሕንፋጽ እምነት፡ ምትሕብባርን ኣኽብሮትን ከም ዜስፍን እኳ እንተ ተዘርበሉ፡ እምነት ንምህናጽ ዜድሊ፡ ኵሉ ሰብ ዚሰማምዓሉ ንድፊ ግና የብሉን። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ስነ ምግባራውን ሰረተ እምነታውን ጕዳያት ክሳዕ ሎሚ ንሃይማኖታት ይጐጃጅለን ኣሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ምስ ንድፊ ዚመሳሰል ስርዓታት ኣምላኽ ዝሓዘ እዩ። ንህይወትና ድማ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኽንሃንጻ ንኽእል ኢና። እቶም ነቲ ስርዓታት እተቐበልዎ ሰባት፡ ንዓሌታውን ንሃይማኖታውን ጽልኢ ኼወግድዎ ኽኢሎም እዮም፣ ብሰላምን ብሓድነትን ንኺዓይዩ ድማ ተማሂሮም እዮም። ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ብትንቢት ኪገልጽ ከሎ፡ “ኵላቶም ንስም እግዚኣብሄር ኪጽውዑን ሐቢሮም ከኣ ኬገልግልዎንሲ፡ ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር ክመልሰሎም እየ” በለ። ስለዚ፡ ሓድነት ኪርከብ ዚኽእል፡ ብ“ጽሩይ ከናፍር፡” ማለት በቲ ኣምላኽ ዘውጽኦ ስርዓት ኣምልኾ ኣቢሉ እዩ።—ጸፎንያስ 3:9፣ ኢሳይያስ 2:2-4

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ኣብ ጥቓኻ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትከይድን ነቲ ኣብኡ ዚርአ ዜደንቕ ሰላምን ሓድነትን ብዓይንኻ ኽትርእዮን ብኽብሪ ይዕድሙኻ ኣለዉ።—መዝሙር 133:1