ግምቢ ዘብዐኛ ሚያዝያ 2014 | ክትጽሊ ይግብኣካ ድዩ፧

ኣምላኽ እንታይ ከም ዜድልየና ዚፈልጥ እንተ ዀይኑ፡ ብሓቂዶ ኽንጽሊ የድልየና እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ይምልሳ እዩ።

ገበር

ሰባት ስለምንታይ ይጽልዩ፧

ብኣምላኽ ዘይኣምኑ ብዙሓት ሰባት ይጽልዩ እዮም። ስለምንታይ፧

ገበር

ክትጽሊ ይግብኣካ ድዩ፧

ኣምላኽ ተኣምራት ከይፈጸመ ንጸሎት ኪምልሶ ይኽእል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ንዅሉ ሕቶታተይ ብመጽሓፍ ቅዱስ መለሱለይ

ኢሶሊና ላሜላ ድንግል ካቶሊክ ነበረት፡ ጸኒሓ ኸኣ ኮምዩኒስት ኰነት። ግናኸ፡ ክልቲኡ ተስፋ ኣቝሪጽዋ እዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት እሞ፡ ብዛዕባ ህይወት ንጹር ዕላማ ንኽትረክብ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ሓገዝዋ።

ንፈተና ኽትቃወሞ ትኽእል ኢኻ

ንፈተና ንኽትቃወሞ ዜኽእለካ ሰለስተ ስጕምቲ።

ትፈልጥዶ፧

ኣብ ጥንታዊት ሮሜ፡ ባሮት እንተ ሃዲሞም እንታይ ይግበሩ ነይሮም፧ ጁኽ ሕብሪ ጢሮስ፡ ኣብ ዓለም ኣዝዩ ኽቡር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

ቶማስ ኢምለን—ተጻራፊ ወይስ ተጣባቒ ሓቂ፧

እቲ ዝገበሮ ምርምር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ቤተ ክርስትያን ኣይርላንድ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ቤት ፍርዲ እውን ከም ዘይቃዶ ገበሮ።

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

የሱስ ኣብ ምድሪ ሰላም ንምስፋን ስጕምቲ ኺወስድ እዩ።

ኣብ ኢንተርነት ዝወጸ ተወሳኺ ዓንቀጻት

ትርጉም ህይወት እንታይ እዩ፧

‘ትርጉም ህይወት እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ሓሲብካ ትፈልጥዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ብኸመይ ከም ዚምልሳ ተምሃር።