ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

 ገበር | ክትጽሊ ይግብኣካ ድዩ፧

ሰባት ስለምንታይ ይጽልዩ፧

ሰባት ስለምንታይ ይጽልዩ፧

ኵሉ ሳዕ ትጽሊ ዲኻ፧ ብዙሓት ሰባት፡ እንተላይ ገሊኦም ኢዘሀራውያን ይጽልዩ እዮም። ሰባት ዚጽልዩ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብ ፈረንሳ ብዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ካብ ዜጋታት ፈረንሳ፡ ፍርቆም፡ “ጽቡቕ ንኺስምዖም” ኢሎም እዮም ዚጽልዩ ወይ ሓድሓደ ግዜ ዜስተንትኑ። እወ፡ ከም መብዛሕትኦም ኤውሮጳውያን፡ ንኣምልኾ ኢሎም ዘይኰነስ፡ “ህድኣት ንኺረኽቡ” ኢሎም እዮም ዚጽልዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ ገሊኦም ኣመንቲ፡ ቅልጡፍ መልሲ ኺውሃቦም ብምጽባይ፡ ኪሽገሩ ኸለዉ ጥራይ እዮም ዚጽልዩ።—ኢሳይያስ 26:16

ንስኻኸ ብብሕትኻ ኸመይ ኢኻ፧ ንጸሎት፡ ሓሳባትካ ንኸተህድእ ዚሕግዘካ መገዲ ጌርካ ጥራይ ዲኻ እትርእዮ፧ ብኣምላኽ ትኣምን እንተ ዄንካ፡ ንጸሎት፡ ኣብ ህይወትካ ጽልዋ ኸም ዘለዎ ጌርካ ትርእዮ ዲኻ፧ ወይስ ጸሎትካ ዘይምለስ ኰይኑ እዩ ዚስምዓካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንጸሎት፡ ከም ሓደ ጽቡቕ ንኺስምዓካ ዚሕግዝ ዓይነት ሕክምና ጌርካ ንኽትርእዮ ዘይኰነስ፡ ናብ ኣምላኽ ንኽትቀርብ ዚሕግዘካ ጽቡቕ መገዲ ጌርካ ንኽትርእዮ ኺሕግዝካ ይኽእል እዩ።