ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቶማስ ኢምለን—ተጻራፊ ወይስ ተጣባቒ ሓቂ፧

ቶማስ ኢምለን—ተጻራፊ ወይስ ተጣባቒ ሓቂ፧

ቶማስ ኢምለን እንታዋይ እዩ ነይሩ፧ ምእንቲ ሓቂ ንኺጣበቕ ዝደረኾኸ እንታይ እዩ፧ ንሕናኸ ኻብኡ እንታይ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

ነዘን ሕቶታት እዚአን ንምምላስ፡ ናብተን ኣብ መወዳእታ መበል 17ን መጀመርታ መበል 18ን ዘመን ዝነበራ ዓዲ እንግሊዝን ኣይርላንድን ክንምለስ ኣሎና። ሽዑ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ፡ ገባሪትን ሓዳጊትን እያ ነይራ። ሓያሎ ጕጅለታት ፕሮተስታንትን ውልቀ ሰባትን ድማ ምስታ ቤተ ክርስትያን ኣይቃደዉን እዮም ነይሮም።

እንታዋይ እዩ ነይሩ፧

ቶማስ ኢምለን ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ብ27 ግንቦት 1663 ኣብ ስታምፎርድ፡ ሊንከንሺር፡ ዓዲ እንግሊዝ ተወልደ። ወዲ 19 ዓመት ምስ ኰነ፡ ናይ መጀመርታ ስብከቱ ኣቕረበ። ጸኒሑ፡ ኣባት ነፍሲ ሓንቲ ኣብ ሎንደን እትነብር ዝነበረት ልዕልቲ ዀነ፣ ድሕሪኡ ናብ በልፋስት፡ ኣይርላንድ ገዓዘ።

ኣብ በልፋስት፡ ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ኬገልግል ጀመረ። ድሕሪኡ እውን፡ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት፡ እንተላይ ኣብ ዳብልን ኣገልጊሉ እዩ።

ከም ተጻራፊ ጌርካ እተኸስሰ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኢምለን ንመጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ የጽንዖ ነበረ። ኣብ ፈለማ ብትምህርቲ ስላሴ ይኣምን እኳ እንተ ነበረ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዖ ግና ኪጠራጠር ጀመረ። ኣብ ወንጌላት መጽናዕቲ ምስ ገበረ ድማ፡ ወንጌላት ነቲ ዝረኸቦ ዝሓሸ ምርዳእ ከም ዚድግፎ ኣመነ።

ኢምለን ነቲ ዝረኸቦ ሓሳብ ብኡብኡ ኣይገለጾን። ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ንሱ ዚሰብከሉ ቤተ ክርስትያን ዳብልን ዝነበሩ ገሊኦም ምእመናን፡ ኢምለን ኣብ ስብከቱ ንትምህርቲ ስላሴ ኸም ዘይጠቕሶ ኣስተብሃሉ። ካልኦት ሰባት ነቲ ንሱ ዝረኸቦ ትምህርቲ ብቐሊሉ ኸም ዘይወሓጠሎም ስለ እተረድኦ፡ “ብዛዕባ እቲ ዝኣምነሉ ነገር እንተ ተዛሪበ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎኒ ናይ ሓላፍነት ቦታ ሒዘ ክቕጽል ኣይክእልን እየ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣብ ሰነ 1702፡ ክልተ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስትያን ንኢምለን፡ ኣብ ስብከቱ ስለምንታይ ብዛዕባ ስላሴ ኸም ዘይጠቅስ ብምሕታት ኣፋጠጥዎ። ኢምለን ድማ፡ ድሕሪ ደጊም ብስላሴ ኸም ዘይኣምንን ብፍቓዱ ኺሰናበት ፍቓደኛ ምዃኑን ነገሮም።

የሱስ ስለምንታይ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪኸውን ከም ዘይክእል ዚገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ዝሓዘት፡ ኢምለን ዘሕተማ ጽሕፍቲ

ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት፡ ካብ ዳብልን፡ ኣይርላንድ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከደ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ ዓሰርተ ሰሙን፡ ንሓድሓደ ጕዳያት መዕለቢ ምእንቲ ኺገብረሉ ናብ ዳብልን ተመልሰ፣ ጠቕሊሉ ናብ ሎንደን ኪግዕዝ እዩ ግና ሓሲቡ ነይሩ። ኣብ ዳብልን ከሎ፡ እቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ ቕኑዕ ምዃኑ ንምርኣይ፡ ኣን ሃምብል ኢንኳየሪ ኢንቱ ዘ ስክርፕቸር-ኣካውት ኦቭ ጂሰስ ክራይስት (ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዚገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ታሪኽ ተመርኲስካ፡ ብትሕትና እተገብረ ምርምር) ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኣሕተመ። ኣብታ ጽሕፍቲ ኸኣ፡ የሱስ ስለምንታይ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪኸውን ከም ዘይክእል ዚገልጽ፡ ንጹር ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ኣቕረበ። እዚ ግና ንኣባላት እታ ቐደም ዜገልግለላ ዝነበረ ቤተ ክርስትያን ዳብልን ኣቘጥዖም። ወግዓዊ ኽሲ ድማ ቀረበሉ።

ኢምለን ብ14 ሰነ 1703 ኣብ ዳብልን ተታሒዙ ተኣስረ እሞ፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቐረበ። ኣብታ ትሩ ናራቲቭ ኦቭ ዘ ፕሮሲዲንግ (ሓቀኛ ታሪኽ ፍርዲ) ዘርእስታ ጽሕፍቱ፡ ብዛዕባ እተኸስሰሉ ምኽንያት ከምዚ ብምባል ገለጸ፦ “የሱስ ክርስቶስ ምስቲ ኣቦ ዝዀነ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ማዕረ ኸም ዘይኰነ ዚገልጽ ጽሕፍቲ ጽሒፈ ስለ ዘሕተምኩ፡ እዚ ኸኣ ንኣምላኽ ከም እተጻረፍኩን ከም ዜዋረድኩን ጌርካ ስለ እተራእየ እዩ።” እቲ መስርሕ  ፍርዲ ኣዝዩ ዜገርም እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ገና ምርመራ ኸይተገብረ ኸሎ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ተወሲኑ እዩ ነይሩ። ሸውዓተ ኣቡናት ቤተ ክርስትያን ኣይርላንድ፡ ምስቶም ደያኑ ኾፍ ኢሎም ነበሩ። ኢምለን ንገዛእ ርእሱ ኺከላኸለላ ኣይተፈቕደሉን። ሪቻርድ ለቪንስ ዝስሙ ሕፉር ጠበቓ ድማ ንኢምለን፡ “ብዘይ ሕጊ ዀነ ስርዓት ከም ተዅላ” ኸም ዚህደንን ስጕምቲ ኸም ዚውሰደሉን ነገሮ። ኣብ መወዳእታ እቲ ፍርዲ፡ ሪቻርድ ፒን ዝስሙ ላዕለዋይ ዳኛ ኣይርላንድ፡ ነቶም ፍርዲ ኺህቡ ብሕጊ እተመርጹ ሰባት፡ ከምቲ እተሓስበ ዓይነት ፍርዲ እንተ ዘይሂቦም፡ ‘በቶም ጐይተቱ ዝዀኑ ኣቡናት ተሓተትቲ ኸም ዚዀኑ’ ነገሮም፣ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ከም ዚቕጽዑ ኣመተሎም።

‘ምእንቲ እቲ ዝኣምነሉ ሓቅን ክብርን ኣምላኽ ኢለ ኽሳቐ ፍቓደኛ እየ።’—ቶማስ ኢምለን

ኢምለን ከም ገበነኛ ጌርካ ምስ ተፈርደ፡ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን እቲ ቤት ፍርዲ ንኢምለን፡ ሓሳቡ ኪቕይር ይደሊ እንተ ዀይኑ ሓተቶ። ኢምለን ግና ኣበየ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ብገንዘብ ተቐጽዐ፣ ንሓደ ዓመት ኪእሰር ከኣ ተፈርዶ። ነቲ ገንዘብ ኪኸፍሎ ስለ ዘይከኣለ ግና፡ ንኽልተ ዓመት ተኣስረ፣ ድሕሪኡ፡ ሓደ ዓርኩ ነቶም ሰበ ስልጣን፡ መጠን እቲ ኢምለን ዚኸፍሎ ገንዘብ ኪንከ ኣእመኖም። ኢምለን ብ21 ሓምለ 1705 ተፈትሐ። እቲ ዘጋጠሞ ውርደት ከኣ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ፡ ‘ምእንቲ እቲ ዝኣምነሉ ሓቅን ክብርን ኣምላኽ ኢለ ኽሳቐ ፍቓደኛ እየ’ ኢሉ ኸም ዚዛረብ ገበሮ።

ኢምለን ናብ ሎንደን ምስ ገዓዘ፡ ምስ ዊልያም ህዊስተን ዚብሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ተራኸበ፣ ህዊስተን ነቲ ኸም ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ዝኣመነሉ ሓሳባት ስለ ዘሕተሞ ተጸሊኡ ነበረ። ህዊስተን ንኢምለን የኽብሮ ነበረ፣ “‘ናይ መጀመርታን ቀንድን ኣባት ነፍሲ’ እቲ ‘ናይ ጥንቲ ክርስትና’” ኢሉ ድማ ይጽውዖ ነበረ።

ንስላሴ ዝነጸጎ ስለምንታይ እዩ፧

ኢምለን፡ ልክዕ ከም ዊልያም ህዊስተንን ከምቲ ኣይዛክ ኒውተን ዝስሙ ሕፉር ምሁርን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ኣዋጅ ኣትናቴዎስ እተጠቕሰ ሰረተ እምነት ስላሴ ኸም ዘይድግፎ ፈለጠ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ንቕዱሳት ጽሑፋት ብዙሕ ምስ ሓሰብኩሉን ምስ ኣጽናዕክዎን . . . ነቲ ኣቐዲመ ዝኣምነሉ ዝነበርኩ ምስ ስላሴ ዚተሓሓዝ ሓሳባት ክቕይሮ ኸም ዘሎኒ . . . ዜርኢ ብቑዕ ምኽንያት ረኺበ እየ።” በዚ ኸምዚ፡ ኢምለን፡ “እቲ ኣምላኽን ኣቦን የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ልዕሊ ዅሉ ስልጣን ዘለዎ” ኣብ ዚብል መደምደምታ በጽሐ።

ኢምለን ኣብዚ መደምደምታ እዚ ኺበጽሕ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ መንጎ የሱስን ኣቦኡን ብዛዕባ ዘሎ ፍልልይ ዚገልጽ ብዙሕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝረኸበ እዩ። ሒደት ኣብነታት እስከ ንርአ (ኢምለን ብዛዕባ እቲ ጥቕስታት ዝሃቦ ሓሳብ፡ ብሰያፍ ተጻሒፉ ኣሎ)፦

  •  ዮሃንስ 17:3“ክርስቶስ፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ወይ ከኣ በይኑ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዚገልጽ ሓሳብ የልቦን።” ኣቦ ጥራይ እዩ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ” ተባሂሉ ዘሎ።

  •  ዮሃንስ 5:30“ወዲ፡ ፍቓዱ ዘይኰነስ፡ ፍቓድ ኣቦኡ እዩ ዚገብር።”

  •  ዮሃንስ 5:26“ህይወት ኪህልዎ ዝኸኣለ፡ ኣቦ ስለ ዝሃቦ እዩ።”

  •  ኤፌሶን 1:3“የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ሳዕ ከም ወዲ ኣምላኽ ጌርካ ይጥቀስ እዩ፣ ይኹን እምበር፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ ኣቦ ኸም ዘለዎ ጌርካ ኸቶ ኣይተጠቕሰን፣ ብዙሕ ሳዕ ግና፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ከም ዝዀነ ጌርካ ይጥቀስ እዩ።”

ኢምለን ንዅሉ መርትዖታት ምስ መርመሮ፡ “ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኸም ዝዀኑን ማዕረ ምዃኖምን እትገልጽ ሓንቲ ጥቕሲ እውን የላን” ብምባል ኣፉ መሊኡ ተዛረበ።

እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት፡ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚምህሮ ትምህርቲ ኣይጣበቑሉን እዮም። ኢምለን ግና፡ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺጣበቐሉ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ። “ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ንጹርን ብመርትዖ እተደገፈን ኣዝዩ ኣገዳሲ ሓቅታት ዘይዛረበሉ እንተ ዀይኑ፡ ንዕኡ ምንባቡን ምጽንዑን እንታይ ፋይዳ ኣለዎ፧” ኢሉ ይሓትት ነበረ። ኢምለን ምስ ሓቂ ብዚተሓሓዝ ፈጺሙ ኣይተለማለመን።

እቲ ኢምለንን ካልኦት ሰባትን ዝሓደግዎ ኣብነት፡ ላግጺ እናኣጋጠመና ኽነሱ ኣብ ጐድኒ ሓቂ ደው ንኽብል ፍቓደኛታት እንተ ዄንና ንኽንምርምር ይድርኸና እዩ። ንገዛእ ርእስና፡ “ልዕሊ ዅሉ ዜገድሰኒ፡ ካብ ሰባት ክብርን ናእዳን ምርካብ ድዩ ወይስ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ምድጋፍ፧” ኢልና ኽንሓትታ ኣሎና።