ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንፈተና ኽትቃወሞ ትኽእል ኢኻ

ንፈተና ኽትቃወሞ ትኽእል ኢኻ

“ስእለ ጽዩፍ ክርኢ ኢለ ኣይኰንኩን ኣብ ኢንተርነት ኣትየ። ኰይኑ ግና፡ ብሃንደበት ሓደ መወዓውዒ ምስ መጸ፡ ከይተፈለጠኒ ኸፊተዮ።”—ኮዲ። *

“ሓንቲ ምልክዕቲ መሳርሕተይ ምሳይ ክትኳሸም ጀሚራ። ሓደ መዓልቲ፡ ናብ ሓደ ሆቴል ኬድና ኽንዘናጋዕ ሓተተትኒ። እንታይ ከም ዝደለየት ተሪዲኡኒ ነይሩ እዩ።”—ዲለን።

“ንፈተና ገዲፍካ፡ ንዝዀነ ይኹን ካልእ ነገር ክቃወሞ እኽእል እየ።” እዚ ኸም ዋዛ ጌርካ ዚዝረብ ዘረባ እዚ፡ ገሊኦም ሰባት ንጾታዊ ነገራት ብዛዕባ ዘለዎም ኣረኣእያ ዜርኢ እዩ፣ እወ፡ ሰባት ብውሽጦም ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፈተና ይብህግዎ እዮም። ገሊኣቶም ግና፡ ንፈተና ኸም ሓደ ኺስዕርዎ ዚደልዩ ግናኸ እግሪ እግሮም ዚስዕቦም ጸላኢ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ ፈተና ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ኢድካ ኽትህብ ድዩ ዘሎካ ወይስ ክትቃወሞ እዩ ዚግብኣካ፧

ሓቂ እዩ፡ ኵሉ ፈተና ኣይኰነን ናብ ዓብዪ ጸገማት ዚመርሕ። ንኣብነት፡ ተሓቢእካ ዝያዳ ምቁር ነገራት ምብላዕ፡ ኣብ ህይወትካ ብዙሕ ጕድኣት ከይህልዎ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ንኻልእ ዓይነት ፈተና፡ ብፍላይ ከኣ ናብ ጾታዊ ርኽሰት ንዚመርሕ ፈተና ኢድካ እንተ ሂብካ፡ ኣመና ዜሕዝን ሳዕቤን ኪህልዎ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ . . . ዚምንዝር ግና ልቢ የብሉን፡ ንነፍሱ ኼጥፍኣ ዚደሊ እዩ ኸምዚ ዚገብር” ብምባል የጠንቅቕ እዩ።—ምሳሌ 6:32, 33

ምስ ጾታዊ ርኽሰት ዚተሓሓዝ ፈተና ኼጋጥመካ ኸሎ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍቓድ ኣምላኽሲ ኽትቅደሱን ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁን እዩ። ነፍሲ ወከፍኩም ንሰብነቱ ብቕድስናን ብኽብርን ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሮ ይፍለጥ” ይብል። (1 ተሰሎንቄ 4:3, 4) ንፈተና ንኽትቃወሞ ዜኽእለካ ብርታዐ ኽትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ኺሕግዘካ ዚኽእል ሰለስተ ስጕምቲ እስከ ንርአ።

ስጕምቲ 1፦ ንኣዒንትኻ ሓልወን

ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ስእልታት ምርኣይ፡ ዘይግቡእ ባህግታት ከም ዚጐሃሃር እዩ ዚገብር። የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ምጥማትን ምብሃግን ዘሎ ምትሕሓዝ ኪገልጽ ከሎ፡ “ንሰበይቲ ብፍትወት ዚጥምታ ዅሉ፡ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘመወ” ኢሉ ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ። እተጋነነ መግለጺ ብምጥቃም ድማ፡ “የማነይቲ ዓይንኻ እተስሕተካ እንተ ዀይና፡ ጐጥጒጥካ ደርብያ” በለ። (ማቴዎስ 5:28, 29) እቲ ነጥቢ እንታይ እዩ፧  ንፈተና ኽንቃወሞ እንተ ደሊና፡ ቈራጽ ስጕምቲ ኽንወስድን ኣዒንትና ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ስእልታት ንኸይርእያ ኽንክልክለንን ኣሎና።

ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ስእልታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ናብ ካልእ ገጽካ ግበር

ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፦ ሓጺን ኪልሓም ከሎ ዚወጽእ ጠራዕራዕ ዚብል ብርሃን ኣጋጢሙካ ንበል። ነቲ ብርሃን ኣተኲርካ ምጠመትካዮዶ፧ ኣይፋልካን። ናብ ካልእ ገጽካ ኽትገብር ወይ ንኣዒንትኻ ብኣእዳውካ ኽትሽፍነን ኢኻ እትጽዕር። ብተመሳሳሊ፡ ብጽሑፍ፡ ብተለቪዥን፡ ወይ ከኣ ብኣካል፡ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ነገር እንተ ኣጋጢሙካ፡ ናብ ካልእ ገጽካ ግበር። ኣእምሮኻ ኸይብከል ተጠንቀቕ። ቀደም ውሉፍ ስእለ ጽዩፍ ዝነበረ ኹዋን ከምዚ በለ፦ “ምልክዕቲ ጓል ክርኢ ኸለኹ፡ ብተደጋጋሚ ቝሊሕ ኢለ ንኽጥምታ እፍተን ነይረ። ከምኡ ምእንቲ ኸይገብር፡ ገዛእ ርእሰይ ከገድድ ነይሩኒ፣ ብውሽጠይ ድማ፡ ‘ናብ የሆዋ ጸሊ። ሕጂ ሕጂ ናብ የሆዋ ጸሊ’ እብል ነይረ። ድሕሪ ምጽላየይ ከኣ፡ እቲ ስምዒት ቀልጢፉ ይጠፍእ ነይሩ።”—ማቴዎስ 6:9, 13፣ 1 ቈረንቶስ 10:13

እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ፡ “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተአታቶኹ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል፧” ኢሉ ነበረ። (እዮብ 31:1) ንስኻኸ ንምንታይ ከምኡ ዓይነት ቈራጽነት ዘይትገብር፧

ነዚ ፈትኖ፦ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ነገራት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ቀልጢፍካ ናብ ካልእ ገጽካ ግበር። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓደጎ ኣብነት ስዓብ፣ ንሱ፡ “ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን” ኢሉ ጸለየ።—መዝሙር 119:37

ስጕምቲ 2፦ ንሓሳባትካ ሓልዎ

ኵላትና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ሓድሓደ ግዜ ምስ ሕማቕ ትምኒት ክንቃለስ የድልየና ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተሳሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዚፍተን። ሽዑ፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ” ይብል። (ያእቆብ 1:14, 15) ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓዘቕቲ ንኸይትወድቕ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

ሕማቕ ሓሳባት ኪመጸካ ኸሎ፡ ብኡብኡ ጸሊ

ሕማቕ ትምኒት ኪስምዓካ ኸሎ፡ እቲ እትህቦ ምላሽ ኣብ ምርጫኻ ኸም ዚምርኰስ ዘክር። ነቲ ትምኒት ተቓለሶ። ካብ ኣእምሮኻ ድማ ባሕጒጕካ ኣውጽኣዮ። ብዛዕባ ጾታዊ ርኽሰት ብዙሕ ኣይትሕሰብ። ሓደ ኣብ ኢንተርነት ስእለ ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ወልፊ ዝነበሮ ትሮይ ዝስሙ ሰብኣይ፡ “ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ጥራይ ብምትኳር፡ ንኣእምሮይ ካብ ሕማቕ  ሓሳባት ከጽርዮ ጽዒረ እየ። ከምኡ ምግባር ቀሊል ኣይነበረን። ብተደጋጋሚ ደጊሱኒ እዩ። ኣብ መወዳእታኡ ግና፡ ንሓሳባተይ ብኸመይ ከም ዝቈጻጸሮ ተማሂረ እየ” በለ። ኤልሳ ዝስማ ብቝልዕነታ ምስ ጾታዊ ርኽሰት ምስ እተተሓሓዘ ፈተና እትቃለስ ዝነበረት ሰበይቲ፡ “ብስራሕ ትሕዝቲ ብምዃንን ናብ የሆዋ ብምጽላይን፡ ነቲ ሕማቕ ሓሳባተይ ክቈጻጸሮ ኽኢለ እየ” በለት።

ነዚ ፈትኖ፦ ርኹስ ሓሳባት ኪመጸካ ኸሎ፡ ብኡብኡ ጸሊ። ንኣእምሮኻ፡ “ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ጽድቂ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ዚዝረበሉ ዘበለ፡ ሕያውነት ዘበለ፡ ዚንኣድ ዘበለ” ነገራት ብምምላእ፡ ንሕማቕ ሓሳባት ተቓለሶ።—ፊልጲ 4:8

ስጕምቲ 3፦ ንስጕምትኻ ሓልዎ

ባህግን ፈተናን ኣጋጣምን ኪራኸብ ከሎ፡ ስዒቡ ዚመጽእ ነገር፡ ጸገም እዩ። (ምሳሌ 7:6-23) እሞኸ ግዳይ እዚ እተጠቕሰ ነገራት ንኸይትኸውን እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

“ካልኦት ሰባት ኣብ ከባቢየይ ኪህልዉ ኸለዉ ጥራይ እየ ኢንተርነት ዝጥቀም”

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ” ዚብል ጥበባዊ ምኽሪ ይህብ እዩ። (ምሳሌ 22:3) ስለዚ፡ ንስጕምትኻ ሓልዎ። ጸገም ኬስዕበልካ ብዛዕባ ዚኽእል ነገራት ኣቐዲምካ ብምሕሳብ፡ ካብኡ ርሓቕ። (ምሳሌ 7:25) ንዝነበሮ ወልፊ ስእለ ጽዩፍ ዘወገደ ፊሊፕ ዝስሙ ሰብኣይ፡ “ነታ ናይ ስድራ ቤትና ኮምፕዩተር፡ ኵሉ ሰብ ኣብ ዚርእዮ ቦታ ኣቐመጥኩዋ፣ ዜጻሪ ፕሮግራም ድማ ጸዓንኩላ። ብዘይካዚ፡ ካልኦት ሰባት ኣብ ከባቢየይ ኪህልዉ ኸለዉ ጥራይ እየ ኢንተርነት ዝጥቀም” በለ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ትሮይ እውን፡ ‘ንገዛእ ርእሰይ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ከእትዋ ስለ ዘይደለኹ፡ ጾታዊ ነገራት ካብ ዜርኢ ፊልምታትን ብዛዕባ ጾታዊ ርኽሰት ካብ ዜዕልሉ ሰባትን ረሓቕኩ’ በለ።

ነዚ ፈትኖ፦ ንድኽመታትካ ብቕንዕና መርምሮ፣ ናብ ፈተና ኼእትወካ ብዛዕባ ዚኽእል ኣጋጣሚታት ኣቐዲምካ ብምሕሳብ ድማ ካብኡ ርሓቕ።—ማቴዎስ 6:13

ኣይትተሓለል!

ዝጸዓርካ እኳ እንተ ጸዓርካ፡ ብሰሪ ድኻም ኣብ ፈተና እንተ ወደቕካኸ፧ ተስፋ ብምቝራጽ፡ ጻዕርኻ ኣይተቋርጽ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ” ይብል። (ምሳሌ 24:16) እወ፡ ሰማያዊ ኣቦና፡ ‘ንኽንትንስእ’ እዩ ዜተባብዓና። እሞኸ ነቲ ንሱ ዚገብረልካ ፍቕራዊ ሓገዝ ክትቅበሎ ዲኻ፧ ስለዚ፡ ናብኡ ምጽላይካ ኣይተቋርጽ። ነቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ፡ ንእምነትካ ህነጻ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምእካብ ድማ ንቘራጽነትካ ኣደልድሎ። በቲ፡ ‘ከበርትዓካን ክረድኣካን እየ’ ዚብል መብጽዓ ኣምላኽ ተጸናናዕ።—ኢሳይያስ 41:10

እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ኮዲ፡ “ነቲ ዝነበረኒ ወልፊ ስእለ ጽዩፍ ንኸቋርጾ ብዙሕ ክጽዕር ነበረኒ። ብዙሕ ሳዕ እኳ እንተ ደገሰኒ፡ ኣብ መወዳእታኡ ብሓገዝ ኣምላኽ ክዕወት ክኢለ እየ” በለ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዲለን እውን፡ “ምስታ መሳርሕተይ ብቐሊሉ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም እኽእል ነይረ እየ። ኰይኑ ግና፡ ብቘራጽነት ኣበኹዋ። ንጹህ ሕልና፡ ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ እዩ ዚገብር። ልዕሊ ዅሉ ግና፡ ንየሆዋ ኸም ዘሐጐስክዎ እፈልጥ እየ” በለ።

ንፈተና ጸኒዕካ ኽትቃወሞ ኸለኻ፡ ኣምላኽ ብኣኻ ኸም ዚዀርዕ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—ምሳሌ 27:11

^ ሕ.ጽ. 2 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።