ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ትዕግስቲ የሆዋ ደረት ኣለዎ
የሆዋ፡ ኣሶር ንእስራኤል ክትስዕራ ፈቒዱ (2ነገ 17:5, 6፣ it-2 908 ¶5)
የሆዋ ህዝቡ ብተደጋጋሚ ስለ ዘዀረይዎ ቐጺዕዎም (2ነገ 17:9-12፣ it-1 414-415)
የሆዋ ንእስራኤላውያን ተዓጊስዎምን ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቕዎምን እዩ (2ነገ 17:13, 14)
እቲ ኣፍቃሪ ሰማያዊ ኣቦና ንዘይፍጹማት ደቂ ሰባት ብዙሕ ይዕገሶም እዩ። (2ጴጥ 3:9) እንተዀነ ግና፡ ዕላማኡ ምእንቲ ኺፍጽም ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንእኩያት ኬጥፍኦም እዩ። እዚ መአረምታ ኽንቕበልን ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ክንሰብኽን ኪድርኸና ዘለዎ ብኸመይ እዩ፧