ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብስም የሱስ እንጽሊ ስለምንታይ ኢና፧

ብስም የሱስ እንጽሊ ስለምንታይ ኢና፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ናብ ኣምላኽ ክንጽሊ ኸለና፡ ብስም የሱስ ክንጽሊ ኣሎና። ስለምንታይሲ፡ ኣምላኽ በዚ መገዲ እዚ እንተ መጺእና ጥራይ እዩ ዚቕበለና። የሱስ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ኢሉ እዩ። (ዮሃንስ 14:6) ንእሙናት ሃዋርያቱ እውን፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ንኣቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኺህበኩም እዩ” ኢልዎም እዩ።—ዮሃንስ 16:23

ብስም የሱስ እንጽልየሉ ተወሳኺ ምኽንያታት

  •   ንየሱስን ንኣቦኡ የሆዋ ኣምላኽን ነኽብሮም።—ፊልጲ 2:9-11

  •   ነቲ ኣምላኽ ንድሕነትና ኢሉ ዝፈቐዶ ሞት የሱስ ዘሎና ሞሳ ነርኢ።—ማቴዎስ 20:28፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:12

  •   ነቲ የሱስ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰባትን መንጎኛ ዀይኑ ዚዓይዮ ፍሉይ ዕዮ ኸም እንቕበሎ ነርኢ።—እብራውያን 7:25

  •   ነቲ የሱስ ከም ሊቀ ኻህናት መጠን ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ኪህልወና ዚህበና ኣገልግሎት ከም እነኽብሮ ነርኢ።—እብራውያን 4:14-16