ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍትሕ ይፈቅድ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍትሕ ይፈቅድ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍትሕ ይፈቅድ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ፡ ንፍትሕ ዚኸውን ግቡእ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ኺጠቅስ ከሎ፡ “ንሰበይቱ ብዘይካ ብምኽንያት ምንዝርና [ካብ ሓዳር ወጻኢ ዚግበር ጾታዊ ርክብ] ዚፈትሓ እሞ ኻልእ ዚምርዖ ዘበለ ይዝሙ” በለ።—ማቴዎስ 19:9

 ኣምላኽ ነቲ ብሓሶትን ብምትላልን ዚግበር ፍትሕ ይጸልኦ እዩ። እቶም ምስ መጻምድቶም ብጢጥ ቅሚጥ ዚፈላለዩ፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ካልእ ሰብ ምእንቲ ኪዀኑ ኢሎም ከምኡ ዚገብሩ ሰባት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተትቲ እዮም።—ሚልክያስ 2:13-16፣ ማርቆስ 10:9