ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ | ዮናታን
“ኣዝዮም ዚፋተዉ ኣዕሩኽ”
እቲ ውግእ ምስ ተወድአ፡ ኣብ ስንጭሮ ኤላህ ጸጥታ ሰፈነ። እቲ ሰራዊት ሰፊሩሉ ዝነበረ ድንኳናት በቲ ሽውሽውታ ድሕሪ ቐትሪ ሓሸውሸው ኪብል ከሎ፡ ንጉስ ሳኦል ንሰባት የዛራረብ ነበረ። ኣብኡ ኸኣ እቲ በዅሪ ወዱ ዮናታን ነበረ፣ ሓደ መንእሰይ ጓሳ ድማ ታሪኹ ብውዕዉዕ ስምዒት ይትርኸሎም ነበረ። እቲ መንእሰይ፡ ዳዊት እዩ ነይሩ፣ ቅንኣትን ውዕዉዕ መንፈስን እውን ነይርዎ እዩ። ሳኦል ድማ ንዅሉ እቲ ዳዊት ዚዛረቦ ዝነበረ ቓላት ብኣቓልቦ ሰምዖ። ዮናታን ግና ከመይ ተሰሚዕዎ፧ ዮናታን ኣብ ሰራዊት የሆዋ ኣብ ዘገልገለሉ ነዊሕ ዓመታት፡ ዓወታት ረኺቡ ነይሩ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እተረኽበ ዓወት ግና ናይ ዮናታን ኣይነበረን፣ የግዳስ፡ ናይቲ መንእሰይ እዩ ነይሩ። ዳዊት ነቲ ዓርሞሸሽ ጐልያድ እዩ ቐቲልዎ! እሞኸ ዮናታን በቲ ንዳዊት ዚውሃቦ ዝነበረ ኽብሪዶ ቐኒኡ፧
ዮናታን እተሰምዖ ስምዒት የገርመካ ይኸውን። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ዚብል ነንብብ፦ “ዳዊት ምስ ሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ዮናታንን ዳዊትን ኣዝዮም ዚፋተዉ ኣዕሩኽ ኰኑ፣ ዮናታን ከኣ ከም ርእሱ ገይሩ ፈተዎ።” ዮናታን ንዳዊት፡ ንውግእ ዚኸውን ዕጥቂ፡ እንተላይ ቀስቱ ሃቦ፣ ዮናታን ፍሉጥ ቀስተኛ ስለ ዝነበረ፡ እዚ ዓብዪ ህያብ እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ዮናታንን ዳዊትን ከም ኣዕሩኽ ኪደጋገፉ ኺዳን ወይ ጽኑዕ ቃል ተኣታተዉ።—1 ሳሙኤል 18:1-5።
በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሓደ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዚርከብ ብሉጽ ዕርክነታት ተጀመረ። ዕርክነት ብእምነት ንዚመላለሱ ሰባት ኣገዳሲ እዩ። ፈተውትና ብጥበብ እንተ መሪጽና፡ ሓለይትን እሙናትን ፈተውቲ ድማ እንተ ዄንና፡ ኣብ ሕማቕ ግዜ ድልድልቲ እምነት ክትህልወና ትኽእል እያ። (ምሳሌ 27:17) እምበኣር፡ ካብ ዕርክነት ዮናታን እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል እስከ ንርአ።
መሰረት እቲ ዕርክነት
ከምዚ ዝኣመሰለ ዕርክነት ከመይ ኢሉ እዩ ብቕልጡፍ ኪምስረት ዚኽእል፧ መልሲ እዛ ሕቶ ንምርካብ፡ ኣብ መሰረት እቲ ዕርክነት ከነተኵር ኣሎና። ገለ ድሕረ ባይታ እስከ ንርአ። ዮናታን ኣብ ኣጸጋሚ እዋን እዩ ዚነብር ነይሩ። ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ኣቦኡ ንጉስ ሳኦል እናኸፍአ እዩ ዚኸይድ ነይሩ። ሳኦል ኣብ ሓደ ግዜ ብእምነት ዚመላለስ ትሑትን እዙዝን እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና ዕቡይን ዘይእዙዝን ንጉስ ኰይኑ ነበረ።—1 ሳሙኤል 15:17-19, 26።
ዮናታን ንኣቦኡ ብዙሕ ይቐርቦ ብምንባሩ፡ እቲ ሳኦል ዝገበሮ ለውጥታት ንዮናታን እምብዛ ረቢሽዎ ኪኸውን ኣለዎ። (1 ሳሙኤል 20:2) ኣብቲ የሆዋ ዝሓረዮ ህዝቢ እንታይ ጕድኣት ኬመጽእ ከም ዚኽእል እውን ኣተሓሳሲብዎ ኪኸውን ኣለዎ። ‘ዘይተኣዛዝነት እዚ ንጉስ ንተገዛእቱ ኣንፈቶም ኣስሒቱ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዚስእኑ ይገብሮም ደዀን ይኸውን፧’ ኢሉ ሓሲቡ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ግዜ እቲ ነቲ ናይ እምነት ሰብ ዝዀነ ዮናታን ብርግጽ ኣጸጋሚ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።
እዚ ድሕረ ባይታ እዚ ምፍላጥና፡ ዮናታን ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ዳዊት ስለምንታይ ከም ዝፈተዎ ኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ። ዮናታን ነታ ዓባይ እምነት ዳዊት ረኣያ። ሰራዊት ሳኦል ኣብ ዝፈርሁሉ እዋን፡ ዳዊት በቲ ግዝፊ ጐልያድ ድምብርጽ ኣይበሎን። ስም የሆዋ ጾይሩ ናብቲ ውግእ እንተ ኸይዱ፡ ካብ ጐልያድን ኣጽዋሩን ከም ዚሕይል ሓሲቡ ነይሩ እዩ።—1 ሳሙኤል 17:45-47።
ቅድሚ ገለ ዓመታት ከኣ፡ ዮናታን ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ኣርእዩ እዩ። ንሱን ተሰካም ኣጽዋሩን ጥራይ ንብዘሎ ጭፍራ ተዋጋእቲ ኼጥቅዕን ኪስዕርን ከም ዚኽእል ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ዮናታን ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “የሆዋ . . . ኻብ ምድሓን ኪዓግቶ ዚኽእል ነገር ስለ ዘየልቦ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (1 ሳሙኤል 14:6) ስለዚ፡ ዮናታንን ዳዊትን ብዙሕ ዜመሳስሎም ነገራት ነይርዎም እዩ፣ ገለ ኻብኡ ኣብ የሆዋ ዝነበረቶም ድልድልቲ እምነትን ንዕኡ ዝነበረቶም ሓያል ፍቕርን ኪጥቀስ ይከኣል። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ሰባት እተመስረተ ዕርክነት፡ ብሉጽ መሰረት እዩ ዀይንዎ። ዮናታን ናብ 50 ዓመት ዕድሚኡ እተጸግዐ ሓያል መስፍን፡ ዳዊት ከኣ ወዲ 20 ዓመት ዘይመልኦ ትሑት ጓሳ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ፍልልይ ኣገዳሲ ኣይነበረን። a
እቲ እተኣታተውዎ ኺዳን ንዕርክነቶም ናይ ብሓቂ ዕቝባ እዩ ዝዀኖ ነይሩ። ብኸመይ፧ ዳዊት ነቲ የሆዋ ሓሲቡሉ ዝነበረ ነገር ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ዚቕጽል ንጉስ እስራኤል እዩ ኪኸውን ተሓሲቡ ነይሩ! እሞኸ ነዝስ ንዮናታን ሓቢኡሉዶ፧ ኣይሓብኣሉን! ናይ ሓቂ ዕርክነት፡ ምስጢርን ሓሶትን ኣብ ዝሰፈኖ ሃዋህው ዘይኰነስ፡ ክፉት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣብ ዚህልወሉ ሃዋህው እዩ ዚዕምብብ። ዮናታን ብዛዕባ ዳዊት ምፍላጡ ብኸመይ ጸልይዎ ኪኸውን ይኽእል፧ ዮናታን ሓደ መዓልቲ ምስ ነገሰ ንጌጋታት ኣቦኡ ኺእርም ይሓስብ እንተ ነይሩ ኸመይ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ዮናታን ኣብ ውሽጡ ዝነበሮ ቓልስታት ኣይነግረናን እዩ፣ የግዳስ፡ ብዛዕባ እቲ ብሓቂ ዜገድስ ነገራት፡ ማለት ብዛዕባ ተኣማንነትን እምነትን ዮናታን ጥራይ እዩ ዚነገረና። ዮናታን፡ መንፈስ የሆዋ ምስ ዳዊት ምዃኑ ኺርኢ ይኽእል ነይሩ እዩ። (1 ሳሙኤል 16:1, 11-13) ስለዚ፡ ነቲ ማሕላኡ ኣኽቢሩ ኺመላለስ ጀመረ፣ ንዳዊት ድማ ከም መቐናቕንቲ ዘይኰነስ፡ ከም ዓርኩ ገይሩ ረኣዮ። ዮናታን ፍቓድ የሆዋ ኺፍጸም እዩ ዚደሊ ነይሩ።
ዮናታንን ዳዊትን ብየሆዋ ኣምላኽ ይኣምኑን ንየሆዋ ኣጸቢቖም የፍቅርዎን ነይሮም እዮም
እቲ ዕርክነት እቲ ዓብዪ በረኸት ኣምጺኡ እዩ። እሞ ደኣ ኻብ እምነት ዮናታን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ ዝዀነ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ዕርክነት ንዘለዎ ዋጋ ኺግንዘብ ኣለዎ። ኣዕሩኽና መሳቱና ኪዀኑ ወይ ድሕረ ባይታ ኺህልዎም ግድን ኣየድልን እዩ፣ ናይ ሓቂ እምነት እንተ ኣልያቶም ግና፡ ብዙሕ ኪጠቕሙና ይኽእል እዮም። ዮናታንን ዳዊትን ብዙሕ ሳዕ ንሓድሕዶም ኪበራትዑን ኪተባብዑን ክኢሎም እዮም። ቀጺሉ ኣብ ዕርክነቶም ዓብዪ ፈተናታት ስለ ዘጋጠሞም፡ ክልቲኦም ኪደጋገፉ የድልዮም ነይሩ እዩ።
ንመን እሙን ከም ዚኸውን ዘጋጠሞ ብድሆ
ኣብ መጀመርታ፡ ሳኦል ንዳዊት ኣዝዩ ይፈትዎ ብምንባሩ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ሸይምዎ ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና፡ ሳኦል በቲ ዮናታን ዝሰዓሮ ጸላኢ፡ ማለት ብቕንኢ ተሳዕረ። ዳዊት ኣብ ልዕሊ እቶም ጸላእቲ እስራኤል ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያን ተደጋጋሚ ዓወት ረኸበ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ውዳሰን ናእዳን ረኸበ። ገሊአን ኣንስቲ እስራኤል ድማ፡ “ሳኦል ኣሽሓቱ ቐተለ፡ ዳዊት ከኣ ኣእላፋቱ” ኢለን ደረፋ። ሳኦል ነዚ ደርፊ እዚ ኣይፈተዎን። ስለዚ፡ “ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር፡ ሳኦል ንዳዊት ወትሩ ብጥርጣረ ይርእዮ ነበረ።” (1 ሳሙኤል 18:7, 9) ሳኦል ንዳዊት፡ ንግስነቱ ኸይምንዝዖ ይፈርህ ነበረ። ሳኦል ከምኡ ኢሉ ምሕሳቡ ዕሽነት እዩ ነይሩ። ዳዊት ንሳኦል ተኪኡ ኸም ዚነግስ እኳ እንተ ፈለጠ፡ ነቲ ቕቡእ የሆዋ ብህይወት እናገዝአ ኸሎ ኺግልብጦ ግና ጠሪሱ ኣይሓሰበን።
ይኹን እምበር፡ ሳኦል ንዳዊት ኣብ ውግእ ከም ዚመውት ኪገብሮ ፈተነ፣ ግናኸ ሓሳቡ ኣይሰለጦን። ዳዊት ኣብ ውግኣት ብተደጋጋሚ ዓወት ይረክብ ነበረ፣ በዚ ኸምዚ እውን ኣኽብሮት ሰባት ረኸበ። ቀጺሉ ሳኦል ንቤተ ሰቡ፡ ማለት ንዅሎም ገላዉኡን ንበዅሪ ወዱን ኣኪቡ፡ ንዳዊት ብዛዕባ ምቕታል ውዲት ኪኣልም ፈተነ። ዮናታን በዚ ተግባር ኣቦኡ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ልቡ ኸም ዝጐሃየ እሞ ገምቶ! (1 ሳሙኤል 18:25-30፣ 19:1) ዮናታን ንኣቦኡ እሙን እዩ ነይሩ፣ ግናኸ፡ ንዓርኩ እውን እሙን እዩ ነይሩ። እሞ ደኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ንመኖም እዩ እሙን ኰይኑ፧
ዮናታን ተቢዑ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፦ “ዳዊት ኣይበደለካን፡ ዝገበረልካ ነገር ድማ ጠቒሙካ እዩ እሞ፡ ንጉስ ብጊልያኡ ዳዊት ኣይሕጣእ። ህይወቱ ቐቢጹ እዩ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲልዎ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንዅሉ እስራኤል ዓብዪ ዓወት ኣምጺኡ እዩ። ንስኻ እውን ነዚ ርኢኻስ ተሓጒስካ ኢኻ። ስለምንታይከ ንዳዊት ብዘይ ምኽንያት ብምቕታል ብንጹህ ደም እትሓጥእ፧” ሳኦል ከኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ዘይልማዱ ልቢ ገይሩ ንዮናታን ሰምዖ፡ ዳዊት ከም ዘይቅተል እውን መሓለ። ሳኦል ግና ቃሉ ዚሕሉ ሰብ ኣይነበረን። ዳዊት ተወሳኺ ዓወት ምስ ረኸበ፡ ሳኦል ብሕማቕ ቅንኢ ተመሊኡ ዂናት ወርወረሉ! (1 ሳሙኤል 19:4-6, 9, 10) ዳዊት ግና ኣስሓቶ፡ ካብ ቤተ መንግስቲ እውን ሃዲሙ ኣምለጠ።
ንመን እሙን ክትከውን ከም ዚግባእ ተዋጢርካዶ ትፈልጥ፧ ኣዝዩ ኸቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ ወትሩ ንቤተ ሰብካ ኸተቐድም ከም ዘሎካ ዚመኽሩ ኣለዉ። ዮናታን ግና ከምኡ ምግባር ቅኑዕ ዘይምዃኑ ፈሊጡ ነበረ። ዳዊት እሙንን እዙዝን ኣገልጋሊ የሆዋ ዀይኑ እናተመላለሰ ኽነሱ፡ ከመይ ገይሩ ምስ ኣቦኡ ኺውግን ይኽእል፧ ስለዚ፡ ዮናታን ንውሳነኡ ኣብቲ ንየሆዋ ዘለዎ ተኣማንነት ተመሪሑ እዩ ገይርዎ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ንዳዊት እተጣበቐሉ። ዮናታን ንኣምላኽ ዘለዎ ተኣማንነት ብቐዳምነት ይሰርዖ ነይሩ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ንኣቦኡ እሙን ኰይኑ እዩ። ከመይሲ፡ ከምቲ ኣቦኡ ኺሰምዖ ዚደሊ ዘረባ ኣይኰነን ተዛሪቡ፣ የግዳስ፡ ብቕንዕና እዩ መኺርዎ። ነፍሲ ወከፍና ኣብነት እቲ ዮናታን ተኣማንነቱ ዘርኣየሉ እንተ ስዒብና፡ ክንጥቀም ኢና።
ዋጋ ተኣማንነት
ዮናታን መሊሱ ንሳኦል ምስ ዳዊት ኬተዓርቖ ፈተነ፣ ግናኸ፡ ኣይሰለጦን። ዳዊት ከኣ ብሕቡእ ናብ ዮናታን ከይዱ፡ ንህይወቱ ኸም ዝሰግአ ገለጸሉ። ነቲ ብዕድመ ዝዓብዮ ዓርኩ፡ “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን ስጕምቲ ጥራይ እያ ተሪፋ ዘላ” በሎ። ዮናታን ከኣ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንስምዒት ኣቦኡ ፈቲኑ ንዳዊት ኬፍልጦ ተሰማምዐ። ዳዊት ተሓቢኡ ኺጸንሕ እሞ፡ ዮናታን ድማ ንቐስትን ንፍላጻታትን ከም ምልክት ገይሩ ብምጥቃም ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኪሕብሮ ምዃኑ ተሰማምዑ። ዮናታን ከኣ ንዳዊት፡ “የሆዋ ንዅሎም ጸላእቲ ዳዊት ካብ ገጽ ምድሪ ምስ ደምሰሰ እኳ፡ ብተኣማንነት እተርእየኒ ፍቕሪ ኸቶ ኻብ ቤተይ ኣየቋርጽ” ኢሉ ኣምሓሎ። ዳዊት ከኣ ንቤተ ሰብ ዮናታን ከም ዚሓልየሎምን ከም ዜዕቍቦምን ቃል ኣተወ።—1 ሳሙኤል 20:3, 13-27።
ዮናታን ድማ ንሳኦል ብዛዕባ ዳዊት ጽቡቕ ነገር ኪዛረቦ ደለየ፣ እቲ ንጉስ ግና በዚ ነደረ። ንዮናታን ከኣ፡ “ወዲ እታ ዓላዊት ገረድ” ኢሉ ጸረፎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብምኽንያት እቲ ንዳዊት ዝነበሮ ተኣማንነት ንቤተ ሰቡ የዋርድ ከም ዘሎ እዩ ገሊጹ። “ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎ፡ ንስኻን ንግስናኻን ኣይክትጸንዑን ኢኹም” ብምባል እውን ንዮናታን ብዛዕባ ጥቕሚ ርእሱ ኸም ዚሓስብ ኪገብሮ ፈተነ። ዮናታን ግና በዚ ኸይገደሶ፡ መሊሱ ንኣቦኡ፡ “ስለምንታይ እዩ ዚመውት፧ እንታይከ ገይሩ፧” ኢሉ ለመኖ። ሳኦል ቍጥዓኡ ኺቈጻጸር ኣይከኣለን! ብዕድመ ደፊኡ እኳ እንተ ነበረ፡ ሓያል ተዋጋኢ እዩ ነይሩ። ንወዱ ኺወቕዖ ኢሉ ድማ ኲናት ወርወረሉ! ግናኸ፡ ዋላ እኳ ኽኢላ እንተ ነበረ፡ ዕላማኡ ኣይጨመተን። ዮናታን ከኣ ጓህን ውርደትን እናተሰምዖ ብቝጥዓ ኻብኡ ረሓቐ።—1 ሳሙኤል 20:24-34።
ዮናታን ነቲ ጥቕሚ ርእሱ ኬቐድም ዘጋጠሞ ፈተና ሰገሮ
ንጽብሒቱ ንግሆ፡ ዮናታን ናብቲ ዳዊት ተሓቢኡሉ ዝነበረ መሮር ከደ። ከምቲ እተሰማምዑሉ ኸኣ፡ ፍላጻ ወርወረ፣ እዚ ድማ ንዳዊት፡ ሳኦል ኪቐትሎ ይደሊ ኸም ዘሎ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ድሕሪኡ፡ ዮናታን ንጊልያኡ ናብ ከተማ ለኣኾ። ንሱን ዳዊትን ከኣ በይኖም ኰኑ፣ ግናኸ፡ ኪዛራረቡሉ ዚኽእሉ ነዊሕ ግዜ ኣይነበሮምን። ክልቲኦም ድማ በኸዩ፣ ዮናታን ብጓሂ እናጠመተ ኸኣ፡ እቲ ብዕድመ ዚንእሶ ዓርኩ ዳዊት ነቲ ስደተኛ ዀይኑ ዜሕልፎ ህይወት ንምጅማር ነቐለ።—1 ሳሙኤል 20:35-42።
ዮናታን እሙን ብምዃኑ፡ ነቲ ጥቕሚ ርእሱ ኬቐድም ዘጋጠሞ ፈተና ሰገሮ። እቲ ጸላኢ ዅሎም እሙናት ሰባት ዝዀነ ሰይጣን መሸም፡ ዮናታን ኣስኣሰር ሳኦል ኪስዕብን ንህርፋን ስልጣኑ ወይ ንኽብሩ ቐዳምነት ኪህብን እዩ ዚደሊ ነይሩ። ሰይጣን ብጥቕሚ ርእስና ገይሩ ኼስሕተና ኸም ዚደሊ ኽንርስዕ የብልናን። ነዚ ሜላ እዚ ኣብቶም ቀዳሞት ወለድና ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ተዓዊቱሉ እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-6) ኣብ ዮናታን ግና ኣይተዓወተን። እዚ ብዙሕ ኣበሳጭይዎ ኪኸውን ኣለዎ! ንስኻኸ ተመሳሳሊ ፈተናታት ክትሰግር ዲኻ፧ ጥቕሚ ርእሲ ምድላይ ከም ለበዳ ኣስፋሕፊሑሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ኢና ንነብር ዘለና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) እሞኸ ኻብቲ ዮናታን ንጥቕሚ ኻልእ ብምቕዳምን እሙን ብምዃንን ዘርኣዮ መንፈስ ክንምሃር ዲና፧
“ኣዝየ እፈትወካ ነይረ”
ሳኦል ንዳዊት ዝነበሮ ጽልኢ እናዓበየ ብምኻዱ፡ እቲ ጽልኢ ንዅሉ ሓሳቡ ተቘጻጺርዎ ነይሩ እዩ። ዮናታን ከኣ ንኣቦኡ ናብዚ ጽላለ እዚ ገጹ ኪኸይድ ከሎ እሞ ሰራዊቱ ኣኪቡ ንሓደ ንጹህ ሰብ ኣብ ብዘላ እታ ሃገር ኪሃድኖ ኸሎ፡ ዋላ ሓንቲ ኺገብር ኣይከኣለን። (1 ሳሙኤል 24:1, 2, 12-15፣ 26:20) እሞኸ ዮናታን ኣብኡ ተሳቲፉዶ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ምስዚ ግጉይ ወፈራታት ብዚተሓሓዝ፡ ንዮናታን ፈጺሙ ኣይጠቕሶን እዩ። ዮናታን ንየሆዋን ንዳዊትን ንማሕላ ዕርክነቱን ዝነበሮ ተኣማንነት፡ ከምኡ ኺገብር ፈጺሙ ኸም ዘይክእል ገይርዎ እዩ።
ንዓርኩ ዝነበሮ ስምዒት ኣይተቐየረን። ስለዚ፡ ምስ ዳዊት ዚራኸበሉ መገዲ ረኸበ። ክልቲኦም ድማ ኣብ ሖሬሽ ተራኸቡ፣ እታ ቓል፡ “ገራብ ቦታ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። ሖሬሽ ካብ ኬብሮን ብደቡብ ምብራቕ ሒደት ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ዚርከብ በረኻ ዝዀነ ኣኽራን እዩ ነይሩ። ዮናታን ነቲ ዚህደን ዝነበረ ዳዊት ኪረኽቦ ዝኸደ ስለምንታይ እዩ፧ ንዳዊት ‘ብየሆዋ ኼበርትዖ’ ኢሉ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና እዩ። (1 ሳሙኤል 23:16) ከመይ ገይሩ ዮናታን ከምኡ ገይሩ፧
ዮናታን ንዓርኩ፡ “ኣቦይ ሳኦል ኣይኪረኽበካን እዩ” ኢሉ ኣተባብዖ። ኣብ ምንታይ ተመርኲሱ እዩ እዚ መተባብዒ እዚ ሂብዎ፧ ዕላማ የሆዋ ኸም ዚፍጸም ሓያል እምነት ስለ ዝነበሮ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ንስኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክትነግስ ኢኻ” በሎ። ዓመታት ኣቐዲሙ ነብዪ ሳሙኤል ነዚ መልእኽቲ እዚ ኼብጽሕ ተላኢኹ ነይሩ እዩ፣ ዮናታን ድማ ንዳዊት ቃል ኣምላኽ ወትሩ ዜተኣማምን ከም ዝዀነ ኣዘኻኸሮ። እሞ ደኣ ዮናታን ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚኸውን እዩ ሓሲቡ ነይሩ፧ “ኣነ እውን ካልኣይካ ክኸውን እየ” ብምባል ሓሳቡ ገሊጹ ኣሎ። ዮናታንሲ ኽሳዕ ክንደይ ዓባይ ትሕትና ዀን እያ ነይራቶ! ኣብ ትሕቲ እቲ ብ30 ዓመት ዚንእሶ ሰብ ኰይኑ ኼገልግልን ንዕኡ ዚድግፎ የማናይ ኢዱ ኪኸውንን ዕጉብ እዩ ነይሩ! ቀጺሉ ድማ፡ “ነዚ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ” ኢሉ ዘረባኡ ዛዘመ። (1 ሳሙኤል 23:17, 18) ስለዚ፡ ዮናታን ልቡ ሓደ ነገር ይፈልጥ ነይሩ እዩ፦ ሳኦል ምስቲ የሆዋ ዚቕጽል ንጉስ ኪኸውን ዝሓረዮ ሰብ ኣብ ዚገብሮ ቓልሲ ኣይሰልጦን እዩ!
ኣብቲ ስዒቡ ዝነበረ ዓመታት፡ ዳዊት ብዛዕባ እቲ እተራኸቡሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ ሳዕ ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ንመወዳእታ ግዜ፡ ሽዑ እዮም ተራኣእዮም። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ዮናታን ንዳዊት ካልኣዩ ኪኸውን ዝነበሮ ድሌት ኣይተፈጸመን።
ዮናታን ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ዀይኑ ምስቶም ጸላእቲ እስራኤል ዝነበሩ ፍልስጥኤማውያን ኪዋጋእ ከደ። ኣቦኡ ጌጋታት እናገበረ ኽነሱ፡ ንሱ ነቲ ንየሆዋ ዜቕርቦ ኣገልግሎት ቀዳምነት ይህቦ ብምንባሩ፡ ብንጹህ ሕልና ኣብ ጐድኒ ኣቦኡ ዀይኑ ኺዋጋእ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣብቲ ውግእ ድማ፡ ከም ልማዱ ብትብዓትን ብተኣማንነትን ተዋግአ፣ ኰይኑ ግና፡ እስራኤላውያን ተሳዕሩ። ሳኦል ኣመና እኩይ ብምዃኑ፡ ኣብ መናፍስታዊ ተግባራት እውን ተሳቲፉ ነይሩ እዩ፣ እዚ ድማ ብመሰረት ሕጊ ኣምላኽ ብሞት ዜቕጾዖ ስለ ዝነበረ፡ የሆዋ በረኸቱ ኻብ ሳኦል ኣርሓቐ። ሰለስተ ደቂ ሳኦል ከኣ ኣብቲ ውግእ ተቐትሉ፣ ዮናታን እውን ሓደ ኻባታቶም ነበረ። ሳኦል ከኣ ቈሰለ፡ ባዕሉ እውን ህይወቱ ኣጥፍአ።—1 ሳሙኤል 28:6-14፣ 31:2-6።
ዮናታን ንዳዊት፡ “ንስኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክትነግስ ኢኻ፡ ኣነ እውን ካልኣይካ ክኸውን እየ” በሎ።—1 ሳሙኤል 23:17
ሽዑ፡ ዳዊት ብዙሕ ሓዘነ። ለዋህን ይቕረ በሃልን ብምንባሩ ድማ፡ ነቲ ብዙሕ ጭንቅን መከራን ዘምጽኣሉ ሳኦል እኳ ሓዘነሉ! ንሳኦልን ንዮናታንን እውን ኣልቀሰሎም። ዳዊት ነቲ መኻሪኡን ዓርኩን ዮናታን ከብዲ ዚበልዕ ልቕሶ ኣልቀሰሉ፣ ኣብቲ ልቕሶኡ ድማ፡ “ዮናታን ሓወይ፡ ብኣኻ ተጨኒቐ ኣለኹ። ኣዝየ እፈትወካ ነይረ። ንዓይ ዝነበረካ ፍቕሪ፡ ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ብዝያዳ ዜደንቕ ነበረ” በለ።—2 ሳሙኤል 1:26።
ዳዊት ነቲ ንዮናታን ዝመሓለሉ ማሕላ ኸቶ ኣይረስዖን። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት፡ መፊቦሸት ንዚብሃል ስንኩል ወዲ ዮናታን ኣናድዩ ድሕሪ ምርካብ ተኸናኺንዎ እዩ። (2 ሳሙኤል 9:1-13) እምበኣር፡ ዳዊት ካብ ተኣማንነትን ኣኽብሮትን ዮናታን ብዙሕ ተማሂሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ዮናታን ልዑል ዋጋ ኣብ ዜኽፍሎ ኣጋጣሚ እውን ከይተረፈ ንዓርኩ ብተኣማንነት ደጊፍዎ እዩ። ንሕናኸ ኻብዚ ኽንምሃር ዲና፧ ከም ዮናታን ዝኣመሰሉ ኣዕሩኽ ክንረክብ ዲና፧ ንሕና ባዕልናኸ ኸምዚ ዓይነት ኣዕሩኽ ክንከውን ዲና፧ ንፈተውትና ኣብ የሆዋ እምነት ኪሃንጹን ኬደልድሉን ንሕግዞም እንተ ዄንና፡ ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ብቐዳምነት ንሰርዖ እንተ ዄንና፡ ከምኡ ድማ ጥቕሚ ርእስና ኣብ ክንዲ እንደሊ ወትሩ እሙናት ንኸውን እንተ ዄንና፡ ከም ዮናታን ብሉጻት ኣዕሩኽ ክንከውን ኢና። ኣስኣሰር እምነቱ እውን ክንስዕብ ኢና።
a ዮናታን ኣብ መጀመርታ ንግስና ሳኦል ንፈለማ ግዜ ኣብ ዛንታታት ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሱ ንረኽቦ ኢና፣ ኣብኡ ኸኣ ሓለቓ ሰራዊት ብምንባሩ፡ እንተ ወሓደ ወዲ 20 ዓመት ነይሩ ማለት እዩ። (ዘሁልቍ 1:3፣ 1 ሳሙኤል 13:2) ሳኦል ድማ 40 ዓመት እዩ ነጊሱ። ስለዚ፡ ሳኦል ኣብ ዝሞተሉ እዋን፡ ዮናታን ወዲ 60 ዓመት ኣቢሉ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ዳዊት ድማ፡ ሳኦል ኣብ ዝሞተሉ እዋን ወዲ 30 ዓመት እዩ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 31:2፣ 2 ሳሙኤል 5:4) ስለዚ፡ ዮናታን ንዳዊት ብ30 ዓመት ኣቢሉ ይዓብዮ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።