ፈትዮም ይመጹ—ቡልጋርያ
ኣብ ቡልጋርያ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ዚገልጽ ሓቂ፡ ንኻልኦት ኣብ ናይ ምምሃር ዕዮ ትሑዛት እዮም። ካብ ዓመተ 2000 ጀሚሩ፡ ብኣማእታት ዚቘጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዓታቶም ንምሕጋዝ ካብ ካልእ ሃገራት ናብ ቡልጋርያ ግዒዞም እዮም። ንስብከት ናብ ወጻኢ ሃገር ምግዓዝ እንታይ ብድሆታት የምጽእ፧ ከምኡ ምግባር ጠቓሚ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ ገለ ኻብቲ እቶም ናብ ቡልጋርያ ዝገዓዙ ዝሃብዎ ሓሳባት እንሆ።
ሸቶ ምውጻእ
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚነብር ዝነበረ ዳረን ዚስሙ “ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልይዎ ወጻኢ ሃገር ምኻድ ናይ ኵሉ ግዜ ሸቶና እዩ ነይሩ። ምስ ዶን ምስ ተመራዓና፡ ብቛንቋ ሩስያ ንኻልኦት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ናብ ለንደን ግዒዝና። ጸኒሕና፡ ናብ ወጻኢ ሃገር ክንግዕዝ ንጹር መደብ ኣውጺእና፡ ይኹን እምበር ብእተፈላለየ ምኽንያታት ኣይሰለጠናን። ምኻድ ዚብልዎ ሓሳብ እውን ዳርጋ ገዲፍናዮ ኢና ኔርና፡ ሓደ ፈታዊና ግና፡ ኵነታትና ኸም እተቐየረን ሸቶና ኽንወቅዕ ከም እንኽእልን ክንግንዘብ ሓጊዙና እዩ” በለ። ዳረንን ዶንን ዝያዳ መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ዜድልይሉ ቦታን ምስ ኵነታቶም ዚሰማማዕ ሃገርን ኬናድዩ ጀመሩ። ብ2011 ድማ፡ ናብ ቡልጋርያ ገዓዙ።
ዜሐጕስ ኣብነት እቶም ናብ ካልእ ክፋል ዓለም ግዒዞም ዜገልግሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንገለ እቶም ኣብ ፈለማ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም ኬገልግሉ ሸቶ ዘይነበሮም ኣተባቢዕዎም እዩ። ኣብ ኢጣልያ ሉክ ምስ ዚብሃል ሰብኣያ ትነብር ዝነበረት ጃዳ “ኣብ ደቡብ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ተሓጒሶም ምስ ዜገልግሉ ቕንኣት ዘለዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተላልየ። ብሓጐሶምን በቲ ዝነገሩና ተመክሮታትን ኣዝየ እየ ተገሪመ። እዚ ኸኣ መንፈሳዊ ሸቶታተይ ከተዓራሪ ሓጊዙኒ እዩ” በለት።
ቶማዝን ቨሮኒካን ምስ ክልተ ደቆም ካላራን ማትያስን፡ ብ2015 ካብ ሪፓብሊክ ቸክ ናብ ቡልጋርያ ግዒዞም እዮም። ኪግዕዙ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧ ቶማዝ ከምዚ ይብል፦ “ኣብነት እቶም ኣዝማድና ሓዊስካ፡ ናብ ወጻኢ ሃገር ዝገዓዙ ብጥንቃቐ መርሚርና፡ ኣብ ተመክሮታቶም ከኣ ኣስተንቲንና። ክሳዕ ክንደይ ሕጉሳት ምዃኖም ምስ ረኣና፡ ብዛዕብኦም ኣብ ገዛ ኣዕለልና።” እዞም ሕጉሳት ኣባላት ስድራ ቤት፡ ሕጂ ኣብዛ ሓዳስ ክሎም ዝዀነት ከተማ ሞንታና፡ ቡልጋርያ ይሰብኩ ኣለዉ።
ካልእ ሊንዳ ዝስማ ናብ ቡልጋርያ ዝገዓዘት ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ ከምዚ በለት፦ “ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ናብ ኤኳዶር ምስ ከድኩ፡ ኣብኡ ኺሰብኩ ምስ ዝመጹ ተራኺበ። ኣነ እውን ምናልባት ሓደ መዓልቲ ዝያዳ ዓየይቲ ናብ ዜድልይዎ ኸይደ አገልግል እኸውን ኢለ ሓሲበ ነይረ።” ፐተሪን ናድያን ዚብሃሉ ኻብ ፊንላንድ ዝገዓዙ ሰብ ሓዳር እውን ብዛዕባ ኣብነት ካልኦት ኣስተንቲኖም እዮም። ከምዚ ኸኣ ይብሉ፦ “ኣብ ጉባኤና ንኻልኦት ብመንፈሳዊ መዳይ ኪሕግዙ ኢሎም ዝገዓዙ ተመክሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ኣለዉ። ብዛዕባ እተን ኣብ ኣገልግሎት ዘሕለፍወን ዓመታት ወትሩ ብውዕዉዕ ስምዒት እዮም ዚዛረቡ። ብዛዕባአን ኣብ ህይወቶም እተን ዝበለጻ ዓመታት ከም ዚዀና እዮም ዚዛረቡ።”
ኣቐዲምካ ምምዳብ
ኣብ ወጻኢ ሃገር ኬገልግሉ ንዚደልዩ፡ ጽቡቕ መደብ ምውጻእ ኣገዳሲ እዩ። (ሉቃስ 14:28-30) ኣብ በልጅዩም እትነብር ዝነበረት ነሌ “ኣብ ካልእ ሃገር ኬድካ ብዛዕባ ምግልጋል ብቑም ነገር ኪሓስብ ምስ ጀመርኩ፡ ብጸሎት ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ዓንቀጻት ካብ ሕታማትና ኸናዲ ጀመርኩ። ነዚ ኸጽንዖን ኣብ ኣየናይ ነጥቢ ኽዓዪ ኸም ዘሎንን ዝያዳ ኸስተብህል ጀመርኩ” በለት።
ኣብ ፖላንድ ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያንን ኢርሚናን፡ ኣብ ቡልጋርያ ልዕሊ ትሽዓተ ዓመት ገይሮም ኣለዉ። ካብ ፖላንድ ቅድሚ ምግዓዞም ብቛንቋ ቡልጋርያ ኣብ ትምራሕ ጕጅለ ይእከቡ ምንባሮም ክሳዕ ክንደይ ከም ዝጠቐሞም ተገንዚቦም እዮም። ኣብታ ጕጅለ ዝነበሩ ኣተባቢዖምዎምን ነቲ ቛንቋ ኺፈልጥዎ ሓጊዞምዎምን እዮም። ክርስትያንን ኢርሚናን ከምዚ ይብሉ፦ “ርእስኻ ምቕራብን የሆዋ ዜድልየካ ኬቕርበልካ ምርኣይን ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ምዃኑ ርኢና ኢና። ንየሆዋ ብፍታው ‘እነኹ፡ ልኣኸኒ!’ ምስ እትብሎ፡ ክትገብሮ ዘይትኽእል ዚመስለካ ዝነበረ፡ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።”—ኢሳይያስ 6:8።
ኣብ ስዊዘርላንድ ዚነብሩ ዝነበሩ ረቶን ኮርኔሌን ዝስሞም ሰብ ሓዳር፡ ምድላዋት ንምግባርን ገንዘብ ንምውህላልን ቀሊል ናብራ ኺመርሑ ወሲኖም እዮም። “ናብ ቡልጋርያ ቕድሚ ምግዓዝና ሓደ ዓመት ኣቐዲምና፡ እታ ዓዲ እንታይ ከም እትመስል ንምፍላጥ፡ ንሓደ ሰሙን ኬድና ኔርና። ኣብኡ ምስቶም ግብራዊ ምኽሪ ዝሃቡና ምኩራት ሚስዮናውያን ኣዕሊልና ኔርና” ይብሉ። ረቶን ኮርኔሌን ነቲ እተዋህቦም ጽቡቕ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ቡልጋርያ ኺጸንሑ ኽኢሎም እዮም።
ብድሆታት ምስጋር
እቶም ናብ ወጻኢ ሃገር ዚግዕዙ ሰባት ምስ ሓድሽ ነገር ኪላመዱ የድልዮም እዩ፣ በዳሂ ዅነታት ኪሰግሩ እውን የድልዮም ይኸውን። (ግብሪ ሃዋርያት 16:9, 10፣ 1 ቈረንቶስ 9:19-23) ንመብዛሕትኦም ዓብዪ ጸገም ዝዀኖም ሓድሽ ቋንቋ ምምሃር እዩ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሉካ “ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብናትና ኣበሃህላ ሓሳብ ክንህብ ከለና ባህ እዩ ዚብለና። ንእተወሰነ ግዜ ግና፡ ኣነን ሰበይተይን ብቛንቋ ቡልጋርያ ዋላ ቐሊል ሓሳብ ንምሃብ ክንዳሎ ይኸብደና ነይሩ እዩ። እንደገና ቘልዑ ዝዀንና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና ነይሩ። ሓቂ ዘረባ፡ ነበርቲ እታ ሃገር ዚዀኑ ቘልዑ ዚህብዎ ሓሳባት ካብ ናትና ኣዝዩ ዚበልጽ እዩ ነይሩ” በለ።
ካብ ጀርመን ዚመጸ ራቪል “ቋንቋ ምምሃር የሰልኪ እዩ። ግናኸ፡ ንጌጋታተይ ኣርዚነ ኽርእዮ ኸም ዘይብለይ፡ የግዳስ፡ ብእኡ ኽዋዘ ኸም ዘሎኒ እየ ዚሓስብ ነይረ። ንዜጋጥመኒ ብድሆታት ከም ጸገም ዘይኰነስ፡ ክፍሊ እቲ ንየሆዋ ዘቕርቦ ቕዱስ ኣገልግሎት ከም ዝዀነ ገይረ እየ ዝርእዮ” ይብል።
እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሊንዳ፡ “ሓድሽ ቋንቋ ኽምሃር ይኸብደኒ እዩ። ቋንቋ ቡልጋርያ ምምሃር ድማ ቀሊል ኣይኰነን፡ ስለዚ ብዙሕ ግዜ ተስፋ እቘርጽ ነይረ። ንሰባት ክትዛረቦም ዘይምኽኣልን እቲ ንሳቶም ዚዛረብዎ ኽትርድኦ ዘይምኽኣልን ጽምዋ ኸም ዚስምዓካ እዩ ዚገብረካ። መንፈሳውነተይ ንምሕላው፡ ንዅሉ ነገራት ብቛንቋ ሽወደን እየ ዜጽንዖ ነይረ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ሳላ ሓገዝ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ነቲ ቛንቋ ኽምሃሮ ኽኢለ እየ” በለት።
ካልእ በዳሂ ነገር ከኣ ናፍቖት እዩ። እቶም ዚግዕዙ ኻብ ዚፈትውዎም ኣዝማዶምን ፈተውቶምን ተፈልዮም እዮም ዚኸዱ። ያነስ ምስ ዚብሃል ሰብኣያ ናብ ቡልጋርያ ዝገዓዘት ኢቫ፡ ከምዚ ትብል፦ “ፈለማ ጽምዋ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ነዚ ንምጽዋሩ፡ ምስቶም ኣብ ዓዲ ዘለዉ ፈተውትናን ስድራ ቤትናን በብእዋኑ ንዘራረብ ኔርና፡ ኣብዚ እውን ሓደሽቲ ፈተውቲ ኣጥሪና ኢና።”
ካልእ ብድሆታት እውን ኣሎ። ካብ ስዊዘርላንድ ዝመጹ ሮበርትን ሊያናን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር፡ ከምዚ ይብሉ፦ “እቲ ቛንቋን እቲ ባህልን ከቢዱና ነይሩ፡ ነቲ ኸቢድ ቍሪ ዘለዎ ኽራማት እውን ኣይተዳለናን ኔርና።” እዞም ሰብ ሓዳር፡ ኣወንታዊ ኣርኣእያ ዘለዎም ምዃኖምን ተዋዘይቲ ምዃኖምን ግና ኣብ ቡልጋርያ ብተኣማንነት ን14 ዓመት ኬገልግሉ ሓጊዝዎም እዩ።
ዝረኸብዎ በረኸት
ሊሊ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልይዎ ቦታ ኼድካ ምስባኽ ተተባብዕ እያ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ንሓገዝ የሆዋ ኻብቲ ኣብ ዓደይ ዝነበረኒ ብዝያዳ ኸስተማቕሮ ኽኢለ እየ። ንኻልኦት ክሕግዝ ትሕዝቲ ምዃነይ፡ ብመንፈሳዊ ኽዓቢ ሓጊዙኒ እዩ፣ እዚ ኸኣ ሓጐስን ዕግበትን ኣምጺኡለይ እዩ።” ሰብኣያ ራቪል እውን ምስኣ ይሰማማዕ እዩ። ከምዚ ድማ በለ፦ “እዚ ብሉጽ ህይወት እዩ፡ ካብ እተፈላላየ ዓዲ ምስ ዝመጹ ምኩራት መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀኑ ቐናኣት ክርስትያናት ክትፋለጥ ከኣ ፍሉይ ኣጋጣሚ ይህበካ እዩ። ካባታቶም ብዙሕ ተማሂረ እየ።”
ብዙሓት ርእሶም ብምቕራቦም፡ “ብስራት መንግስቲ . . . ኣብ ኵላ ዓለም” ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ኺስበኽ ኣበርክቶ ኣለዎ። (ማቴዎስ 24:14) እቶም ናብ ቡልጋርያ ብወለንታ ዝገዓዙ፡ የሆዋ ድልየቶም ኣማሊኡሎምን ሓሳባት ልቦም ከም ዚሰምር ገይሩሎም እዩ።—መዝሙር 20:1-4።