ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ባህርያዊ ሓደጋ ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን፡ ፍቕሪ ንተግባር ተለዓዕለና

ባህርያዊ ሓደጋ ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን፡ ፍቕሪ ንተግባር ተለዓዕለና

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሓገዝ ኣብ ዜድልየሉ እዋን ንኣመንቲ ብጾቶምን ንኻልኦትን ይሕግዙ እዮም። ፍቕሪ መለለዪት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃና መጠን፡ ካብ ፍቕሪ ተላዒሎም እዮም ከምኡ ዚገብሩ።—ዮሃንስ 13:35

እዚ ስዒቡ ዚርከብ ዝርዝር፡ ክሳዕ መፋርቕ 2012 ኣብ ዝነበረ እዋን ንልዕሊ 12 ወርሒ እተዋህበ ሓገዝ ዜርኢ ኸፊላዊ ዝርዝር እዩ። እዚ ዝርዝር እዚ፡ ነቲ ወትሩ ጐድኒ ጐድኒ ጻዕርታትና እነርእዮ መንፈሳውን ስምዒታውን ሓልዮት ኣየጠቓልልን እዩ። ዚበዝሕ ካብቲ እተዋህበ ሓገዝ፡ እቶም ብኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር እተሸሙ ኮሚተታት ረድኤት ሓደጋ እዮም ወዲቦምዎ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ሓደጋ ዝበጽሖ ቦታታት ዚርከባ ጉባኤታት ኣብቲ እተዋህበ ሓገዝ ብስሩዕ ተኻፊለን እየን።

ጃፓን

ጃፓን፦ ብ11 መጋቢት 2011 ኣብ ሰሜናዊ ጃፓን ንህይወት ኣማእታት ኣሽሓት ሰባት ዝጸለወን ሱናሚ ዘስዓበን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ነይሩ። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጽገና ንምሕጋዝ ገንዘቦምን ክእለቶምን ንብረቶምን ብልግሲ ወፍዮም እዮም። ነታ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጃፓን ድሕሪ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንእተኻየደ ዕዮ ረድኤት እትገልጽ ቪድዮ ርኣያ።

ብራዚል፦ ብሰንኪ ምዕልቕላቕ ማይን ምህማም መሬትን መደረጋሕን ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሰባት ሞይቶም እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ በቲ ሓደጋ ናብ እተሃሰየ ቦታታት፡ 42 ቶን ቀልጢፉ ዘይበላሾ ምግብን 20,000 ማይ ዝሓዘ ጐማታትን 10 ቶን ክዳውንትን 5 ቶን ዚኸውን ናውቲ ጽሬትን መድሃኒትን ካልእ ዜድሊ ነገራትን ልኢኾም እዮም።

ኮንጎ (ብራዛቪል)፦ ኣብ ሓደ ወተሃደራዊ መኽዘን ብዘጋጠመ ነትጒ፡ 4 ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሉእ ብምሉእ ኪዓኑ ኸሎ፡ 28 ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ጕድኣት ወሪድዎ እዩ። ነቶም እተሃስዩ ምግብን ክዳውንትን ተዋሂብዎም እዩ፣ ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ በቲ ሓደጋ ንእተጐድኣ ስድራ ቤታት ኣብ ገዛኦም ኣዕቊቦምወን እዮም።

ኮንጎ (ኪንሻሳ)፦ ንግዳያት ሕማም ሸሮኽ መድሃኒት ተዋሂብዎም። ነቶም ብሰንኪ ሓያል ዝናም ዝሰዓበ ምዕልቕላቕ ማይ እተጐድኡ፡ ክዳውንቲ ተወፍዩሎም። ነቶም ኣብ ሰፈር ስደተኛታት ዚቕመጡ ድማ ሕክምናዊ ሓገዝን ንሕርሻ ዚኸውን ዘርእን ብዙሕ ቶን ዚምዘን ክዳውንትን ተዋሂብዎም እዩ።

ቨነዝወላ፦ ከቢድ ዝናም፡ ምዕልቕላቕ ማይን መደራጋሕን ኣስዓበ። ኮሚተ ረድኤት ሓደጋ ን228 እተጐድኡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓጊዞም እዮም። ልዕሊ 50 ሓደስቲ ኣባይቲ ድማ ተሃኒጹ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኮሚተ ረድኤት ነቶም ብሰንኪ ምውሳኽ ብራኸ ማይ ቀላይ ቫለንስያ ኣባይቶም ኣብ ሓደጋ ዘሎ እውን ይሕግዙ ኣለዉ።

ፊሊፒንስ

ፊሊፒንስ፦ ዝናም እተሓወሶ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ፡ ኣብ ገሊኡ ኽፋላት እታ ሃገር ምዕልቕላቕ ማይ ኣስዓበ። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናብቶም ግዳያት ምግብን ክዳውንትን ልኢኹ እዩ። ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ እቲ ማይ ምስ ነከየ ኣብ ምጽራይ ተሓጋጊዞም እዮም።

ካናዳ፦ ደድሕሪ እቲ ኣብ ኣልበርታ ኣብ ዚርከብ ዱር እተላዕለ ብርቱዕ ባርዕ፡ ጉባኤ ስሌቭ ሌክ ካብቶም ኣብ ከባቢኣ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጽገና ዚኸውን ብርክት ዝበለ ወፈያታት ተቐበለት። እታ ጉባኤ ንዅሉ እቲ ገንዘብ ስለ ዘይተጠቕመትሉ፡ ንልዕሊ ፍርቂ እቲ ገንዘብ ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ንዚርከቡ ግዳያት ባህርያዊ ሓደጋ ንምሕጋዝ ወፈየቶ።

ኮት ዲቭዋር፦ ኣብታ ሃገር ውግእ ቅድሚ ምጅማሩን እናተኻየደ ኸሎን ድሕሪኡን፡ ሓገዝ ንዜድልዮም ዘበለ ዜድሊ ኣቕሑትን መጽለልን ሕክምናዊ ኽንክንን ተገይሩሎም እዩ።

ፊጂ፦ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናም ሓያል ምዕልቕላቕ ማይ ምስ ኣጋጠመ፡ መብዛሕትአን እተን በዚ እተጠቕዓ 192 ስድራ ቤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቲ ምንጪ ምግበንን ኣታዊአንን ዝዀነ ሕርሻታተን ስኢነን እየን። ረድኤት ምግቢ ኸኣ ተዋሂብወን እዩ።

ጋና፦ ኣብ ምብራቓዊ ኽፋል እታ ሃገር ዚነብሩ ግዳያት ምዕልቕላቕ ማይ፡ ምግብን ዘርእን ተዋሂብዎም፡ መንበሪ ድማ ተሃኒጹሎም እዩ።

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፦ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ፡ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ኣብ ዚርከባ 66 ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጕድኣት ኬውርድ ከሎ፡ ን12 ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ምሉእ ብምሉእ ኣዕንዩ እዩ። መብዛሕትኦም ወነንቲ ኣባይቲ፡ መድሕን እኳ እንተ ነበሮም፡ ኣብቲ ጽገና ዚውዕል ገንዘባዊ ሓገዝ ተገይሩሎም እዩ።

ኣርጀንቲና፦ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣባይቶም ብሓምዅሽቲ እሳተ ጎመራ ንእተጐድአ ኣብ ደቡባዊ ኽፋል እታ ሃገር ዚርከቡ ሰባት ሓጊዘን እየን።

ሞዛምቢክ፦ ብደርቂ ንእተጠቕዑ ልዕሊ 1,000 ሰባት ምግቢ ተዓዲሉ እዩ።

ናይጀርያ፦ ብሰንኪ ኸቢድ ሓደጋ ኣውቶቡስ ጕድኣት ንዝወረዶም 24 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገንዘባዊ ሓገዝ ተገይሩሎም እዩ። ብሰንኪ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ግጭት ኣባይቶም ንዝሰኣኑ ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል እታ ሃገር ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት እውን ሓገዝ ተገይሩሎም እዩ።

በኒን፦ ንግዳያት ከቢድ ምዕልቕላቕ ማይ፡ መድሃኒትን ክዳውንትን መከላኸሊ ጣንጡ ዚኸውን መርበብን ጽሩይ ማይን መንበርን ተዋሂብዎም እዩ።

ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ

ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ፦ ደድሕሪ ብርቱዕ ህቦብላ ኣይሪን ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ጉባኤታት ኣብ ጽገና ኣባይቲ ብጕልበትን ብንዋትን ሓጊዘን እየን።

ኢትዮጵያ፦ ብደርቂ ኣብ እተጠቕዐ ኽልተ ኸባብን ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ዘጋጠሞ ኸባብን ንዚነብሩ ግዳያት ዜድልዮም ነገራት ንምምላእ ገንዘባዊ ሓገዝ ተገይሩሎም እዩ።

ኬንያ፦ ንግዳያት ደርቂ ገንዘባዊ ረድኤት ተገይሩሎም።

ማላዊ፦ ኣብ ሰፈር ስደተኛታት ድዛሌካ ንዚነብሩ ሰባት ሓገዝ ተዋሂብዎም።

ነፓል፦ መደራጋሕ፡ ኣብ ልዕሊ ቤት ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ከቢድ ጕድኣት ኣውሪዱ እዩ። ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጉባኤ ዜድሊ ሓገዝ ገይራትላን ግዝያዊ መንበሪ ሂባታን እያ።

ፓፕዋ ኒው ጊኒ፦ መናዓብቲ ንሸሞንተ ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣንዲዶም እዮም። ኣባይቶም እንደገና ንምህናጽ ድማ ምድላዋት ተገይሩ እዩ።

ሩማንያ፦ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሰንኪ ምዕልቕላቕ ማይ ኣባይቶም ስኢኖም እዮም። ኣባይቶም ዳግም ንምህናጽ ከኣ ሓገዝ ተገይሩሎም እዩ።

ማሊ፦ ገሊኦም ብሰንኪ ደርቂ ብዙሕ ምህርቲ ስለ ዘየእተዉ፡ ካብ ጐረቤት ሃገር ሰኔጋል እተላእከ ገንዘባዊ ሓገዝ ተዋሂብዎም።

ሴራልዮን፦ ካብ ፈረንሳ ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሓካይም፡ ብውግእ ኣብ እተሃስየ ቦታታት ንዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕክምናዊ ሓገዝ ገይሮምሎም።

ታይላንድ፦ ኣዕናዊ ዝዀነ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ እተፈላለያ ኣውራጃታት ከቢድ ጕድኣት ኣውሪዱ እዩ። ጕጅለታት ረድኤት 100 ኣባይትን 6 ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን፡ ኣጽርየንን ጸጊነንን እየን።

ቸክ ሪፓብሊክ፦ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ቸክ ሪፓብሊክ ሓያሎ ኣባይቲ ድሕሪ ምዕናዉ፡ ኣብ ስሎቫክያ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረድኤት ንምሃብ ኣብ እተገብረ ጻዕሪ ሓጊዞም እዮም።

ስሪ ላንካ፦ መብዛሕትኡ ምስ ሱናሚ ዚተሓሓዝ ዕዮ ረድኤት ተዛዚሙ እዩ።

ሱዳን፦ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ዘጋጠመ ውግእ ንእተፈናቐሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምግብን ክዳንን ጫማን ብፕላስቲክ እተሰርሐ ቴንዳን ተላኢኹ እዩ።

ታንዛንያ፦ ብሰንኪ ኸቢድ ምዕልቕላቕ ማይ፡ 14 ስድራ ቤታት ንብረተን ስኢነን እየን። ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ጉባኤታት ከኣ ክዳውንትን ኣቕሑ ገዛን ወፈያሎም። ሓንቲ ገዛ ድማ ከም ብሓድሽ ተሃንጸት።

ዚምባብወ፦ ደርቂ ኣብ ሓደ ኸባቢ እታ ሃገር ጥሜት ኣስዒቡ እዩ። ነቶም በዚ እተጠቕዑ ኸኣ ምግብን ገንዘብን ተዋሂብዎም።

ቡሩንዲ፦ ንስደተኛታት፡ ሕክምናዊ ኽንክን ዘጠቓለለ ረድኤታዊ ሓገዝ ተዋሂብዎም እዩ።